ዋሽንግተን —
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዩክሬይን ንዘጋጠመ ቅልውላው ምርጭኦም ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣመሪካ፣ኣውስትራሊያ፣ህንድን ጃፓንን ናይ ዝሓቖፈ ኳድ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ስትራተጂካዊ ድሕነት ኣኼባ ኣብ ሜልበርን ኣውስትራሊያ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ምስ መዘናታቶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ምስ ሩሲያ ጽምዶ ንምእታው ኩሉ ክግበር ዝኽእል ፃዕሪ ገይርና ኢና ኢሎም።
ሩሲያ ንዩክሬይን እንተድኣ ወሪራ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዝውሰድ ስጉምቲ ተሓቲቶም ፋይናንሳውን ገንዘባውን እገዳታት ሓዊሱ ዝስዕብ ሳዕቤናት ክንገልፅ ፀኒሕና ኢና ኢሎም።
ሩሲያ ንዩክሬን ንምውራር ትልሚ ከምዘይብላ ክትገልፅ እንተፀንሐት እውን ግዙፍ ሰራዊት ናብ ጥቓ ዶብ ዩክሬይን ኣፀጊዓ ኣላ።