መቐለ —
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ: ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ከምዝገምገመ ገሊፁ::
እቲ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ልሕሉሕ ፌደሬሽን ብምጥቃም ረብሓ ትግራይ ንክረጋገፅ ይቃለስ ከምዝነበረን ድሕሪ ሐዚ ግና እቲ ረብሓ ኣብ ነፃ ሃገረ ትግራይ እዩ ዝረጋገፅ ኢሉ ከምዘኣምን ሓቢሩ::
ውድብ ዓረና እውን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ እቲ ክልል ጠሚቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ: ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩናት ጠጠው ብምባል: ብዘተ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ይግባእ ኢሉ::
ኣብቲ ጉዳይ ካብ ሰብመዚ እቲ ክልልን ፌደራልን ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን ::