ሃዋሳ —
ምንስቅስቓስ ሓርነት ሲዳማ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብታ ሃገር ኮነ ኣብቲ ክልል ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ለውጢ እናሓየለ ምኻዱ ጠቒሱ ብኣንፃሩ ኸኣ ነቲ ለውጢ ዝፃረሩን ንመስርሕ እቱ ለውጢ ብግቡእ ዘይተረድኡን ዝበሎም ኣብቲ ክልል ህውከትን ዕግርግርን ኣልዒሎም ክብል ገሊፁ።
ንሕገ መንግስታዊ መሰል ምውዳብ ክልል ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኣብቲ ዝተወሃበ ውሱን ግዜ ምላሽ ከይሃቡ ተንጠልጢሉ ተሪፉ፤እዚ ኸኣ ፖለቲካዊ ውዲት’ዩ ክብል ቲ ምንቅስቃስ ገሊጹ።