ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስነ ስርዓት ቀዳማይ ዓመት መዝነቶም


ቀዳማይ ዓመት መዝነት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምኽንያት ብምግባር ትማሊ ሶሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መደረ ኣስሚዖም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ስልጣን ዝሓዝሉ ቀዳማይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ኣብዝተኻየደ ስነስርዓት ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰባትን ፍሉጣት ሰባትን ዝተዓደምሉ ነይሩ።

ኣብቲ ስነስርዓት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብቲ ኣዳራሽ ንዝተኣከበ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ኣብ ዙሪያ ዓለምን ንዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ኣመስጊኖም።

“ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ዝኸድኩዎ ኩሉ ከባቢ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍቕሪን ብታሕጓስን ኣብ ጎንኻ ኣለና ኢልኩም ዝድገፍኩምኒ ከምኡ እውን 16 ሰነ ዝተፃወደለይ ናይ ሞት እንግዶት ተሻሚኹም ኣብ ክንዳይ ዝሞትኩም፣ዝቖሰልኩምን ዝደመኹምን ….ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያን ብዘይካ ኣነ ምንባር ትኽእሉ ኢኹም።ኣነ ግን ብዘይ ብኣካኹም ዋጋ የብለይን።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መዝነት ተቀቢሎም ቃለ ምሓላ ካብ ዝፍፅሙ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያነትን ብዝምልከት ኣብ ዘስምዕዎም መደረታት ተቐባልነት ካብ ዝረከቡሎም ሓደ ጉዳይ እዩ።ኣብዚ ናይ ሎሚ መደርኦም እውን ኢትዮጵያዊነት ብዝምልከት ከምዚ ኢሎም።

“ዘቢሉ ዝነበረ ኢትዮጵያዊነት ነቕንዓዮ ዝብል ፕሮጀክት ሓቢርና ክንጅምር ከለና ኢትዮጵያዊነት ታክቲክ ወይም ቴክኒክ ክኸውን ኣይኽእልን።ኢትዮጵያዊነት ዘይቆራረፅ ሻሕሻሕታ፣ዘይስበር ከውሒ፣ዝነበረን ንዝነብርን ዓሚቕ ምስጢር ምዃኑ ብምግንዛብ እውን እዩ።”

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝለዓለ ናይ ለውጢ ስራሓት ከምዝተሰርሑ ብምግላፅ እቲ ለውጢ ከም ጋሻ ውሕጅ ሃንደበት ዝመፀ ዘይኮነ ብዙሓት ዝሞትሉ፣ዝተገረፉሉ፣ዝተኣሰርሉ፣ዝተሰደዱሉ ናይ ሓባር ቓልሲ እምበር ናይ ውሑዳት ሰባት ውፅኢት ኣይኮነን ኢሎም።

ቁጠባ እታ ሃገር ብዝምልከት ኣብተን ዝሓለፋ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዘይተርኣየ ቁጠባዊ ዓወት ምርካቦም ምስ ዝተረኽበ ሸርፊ ወፃኢ ብምትእስሳር ከምዚ ኢሎም።

“ኣብቶም ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ ብኢንቨስትመንት፣ብልቓሕ፣ብረድኤት፣ብረሚታንስን/ወይ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ዓዲ ዝልእኹዎ ገንዘብ/ ብኣገልግሎትን 13 ቢሊዮን ዶላር ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ክኢልና ኢና።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ መደርኦም ናይ ዝሓለፈ ዓወት ብምዝራብ ጥራሕ ከይኮነስ ሓደሽቲ ዓወታት ብምምዝጋብ ንኢትዮጵያዊያን ዳግም ዘኹርዕ ስራሕ ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም ኣለው።ኣብ ዝቕፅል ዓመት ንኣፍሪቃ ኣብነት ዝኾነ ምርጫ ክነካይድ ኢና ኢሎም።

“ዝመጽእ ዓመት ብመሰረት ቦርድ ምርጫ ዝካየድ ምርጫ ፍፁም ነፃን ዲሞክራሲያውን ብምግባር ዳግም ንኣፍሪቃ ሓድሽ ተመክሮ ንምሃብ ኣብነት እንኾነሉ ከምዝኸውን ዝለዓለ ተስፋይ ኢትዮጵያዊያን እውን በዚ መንፈስ ትፅቢት ክገብሩ ድልየተይ እዩ።”

ቀጺሎም ቀ/ሚ ኣብይ ዘጉደልናዮ እንተሃሊዩ ብትሕትና ንኢትዮጵያዊያን ይቕሬታ እሓትት ኣለኹ እውን ኢሎም።

“ኣባይ ተስፋ ገይርኹም፣ክፍፅሞ እዩ ኢልኩም ዝሓሰብኩምዎ ግን ኸኣ ዝጎደለ ነገር እንተሃልዩ ድልየት ካብዘይምህላውን ዕሽሽ ካብ ምባልን ዘይኮነስ ምናልባሽ እውን ካብ ምንኣስ ፍልጠትን ናይ ኩነታት ዘይምጥዕዓምን እተዘይኮይኑ ኩሉ ግዜይ ብተኣማንነት ዘገልገልኩኹም ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክገልፀልኩም እደልይ። “

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ፈተና ዓመት ምንባሩ እውን ሓቢሮም።ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ወጥሪ፣ኣብ ምዕራብ ጉጂን ጌዶንን ከምኡ እውን ኣብ ክልላት ሶማሊያን ኦሮሚያን ዘሎ ግጭትን ምስሕሓብን ብምጥቓስ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቦም ኣለው።ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ምፍጣር ስራሕ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እምበር ካብ ሓደ ቀዳማይ ሚንስትር ትፅቢት ዝግበር ኣይኮነን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መደረ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስነ ስርዓት ቀዳማይ ዓመት መዝነቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:42 0:00

XS
SM
MD
LG