ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዓልቲ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ተዘኪሩ ውዒሉ


ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብ መዓልቲ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ
ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብ መዓልቲ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ንእዋናዊ ጸገማት ብዝርርብ ንምፍታሕ፡ ኢትዮጵያውያን ኩሎም ድልዋት ክኾኑ ኣለዎም ክብላ ኣተሓሳሲበን።

ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸብረ መበል 81 መዓልቲ ሓርበኛታት ዝተረኽባ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ፡ ናይ ሎሚ ወለዶ ካብ ተጋድሎ ቀዳሞት ሓርበኛታቱ ተማሂሩ ሓላፍነቱ ክፍጽም ይግባእ ኢለን።

ኣብቲ በዓል ፡ ሓርበኛታትን ደቂ ሓርበኛታትን ከምኡ`ውን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝተረኽቡ ክኾኑ ከለዉ፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት ማሕበር ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ኮይነን ዘገልግላ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ኣብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ፡ ጽንዓት ገድሊ ሓርበኛታት፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጸልማት ብርሃን ምድላይን ኣብ እዋን መከራ ተሓባቢርካ ናይ ምስራሕን ኣብነት ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ከምዚ ዝስዕብ ኢለን፡“ብኸምዚ ብሰናይ ነገር ንኽንዝከር፡ ደቅናን ደቂ ደቅናን ዘይሓፍሩላ ሃገር ንምውራስ፡ ነቲ ብጽሒትና ኣብ ዘመንና ምፍጻም`ዩ ትጽቢት ዝግበረልና። ሰላም ዝነገሰላን ዝለምዐትን ሃገር ኢና ክነረክብ ዝግብኣና: ግዴታ`ውን ኣለና። ናይ ኣማራጺ ጉዳይ`ውን ኣይኮነን። ከም ሃገር ክንቅጽል ንደሊ እንተኾይና ዘለና ኣማራጺ ንሱ ጥራይ`ዩ።”

"ብቐዳሞት ኣቦታትን ኣዴታትን ተኸቢራ ንዝጸንሐት ሃገር፡ ናብ ወለዶታት ምስጋር ዝክኣል፡ ብምክብባር፡ ጽን ኢልካ ብምስማዕን ብምትሕስሳብን`ዩ" ዝበላ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ንእዋናዊ ጸገማት ብዝርርብ ንምፍታሕ ፡ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ድልው ክኸውን ኣለዎ ክብላ ኣተሓሳሲበን። ኣብቲ ጣልያን ተሳዒሩ ካብ ኢትዮጵያ ዝወጻሉ ዕለት ንምዝካር ዝተኻየደ በዓል፡ ህጻናትን መንእሰያትን ዝተፈላለየ ምርኢታት ኣቕሪቦም ኔሮም።

XS
SM
MD
LG