መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ንዝካየድ ልዝብ ብዘይካ ሕብረት ኣፍሪቃ ንካልኦት ሸምገልቲ ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ። ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝወከሎም ልኡኽ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሌሴንጎ ኦባሳንጆ እምነት ከምዘይብሉ ዝገለጸ ህወሓት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ’ቲ ሽምግልና ንክሳተፉ ድልየቱ ከምዝኾነ ገሊጹ እዩ።
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ አለም ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዘይካ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካልእ ሸምጋሊ ንምውሳኽ ዝካየድ ጻዕሪ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ ኢሎም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረክብን ንሰላማዊ ልዝብን ቆሪጹ ከምዘሎ ዝጠቀሱ እቶም ኣምባሳደር፣ ሕብረት ኣፍሪቃ በይኑ እዩ ዝሽምግለና ክብሉ'ውን ገሊጾም።
ንክልል ትግራይ ዝመርሑ ፕረዚደንት ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ኣብ ዝቀረባ እዋን፣ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳቤ ኣመሪካ፣ ሕ/ሃ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ዝመርሕዎ ልዝብ ኣብ ኬንያ ንክካየድ ከምዝጠለቡ ዝዝከር እዩ። ኣምባሳደር ኣለም ዶ/ር ደብረጽየን ንዘቅረብዎ ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይቅበሎን’ዩ ኢሎም።
እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ክልተ መዓልታት "መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከይተማልኡ ናብ ልዝብ እተው ማለት፣ ኣእዳውና ተኣሲሩ፣ ህዝብና ብጥምየትን ኣብ ጸልማትን ከምኡ'ውን ኣብ ትሕቲ እገዳ ኮይንኩም ቀጽሉ ማለት’ዩ" ዝብል መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ጽሒፎም'ዮም።
ኣምባሳደር ኣለም ብወገኖም "ምጅማር ኣገልግሎት መንግስቲ ከም ቅድመ ኩነት ከምዘይወስዶ፣ ነገር ግና፣ ዘኽእሉ ኩነታት ምስተማልኡ፣ እቶም ኣገልግሎታት ንክጅምሩ፣ ድልየት መንግስቲ እዩ" ከምዝበሉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ህወሓትን ዝገብርዎ ልዝብ ሰላም፣ ብሕብረት ኣፍሪቃን፣ ብወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉዳይ ቀንዲ ኣፍሪቃን ከምዝምራሕ ገሊጹ እዩ ።