ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማህማት ኣብ ክልል ትግራይ ዳግም ብዝተወልዐ ኲናት ዝተሰምዖ ጓሂ ብምግላጽ፡ ህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታት ተገይሩ ዝተቛረጸ ዘተ-ሰላም ክቕጽል ጸዊዑ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወልዐ ኲናት ንኣመሪካ፡ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን’ውን የሻቕል ከም ዘሎ በበይኖም ኣካላት መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።
ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጋደደሉ፡ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽነር ፋኪ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኵላቶም ኣካላት ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣካዪዶም፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተማእከለ ዘተ-ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ክቕጽሉ ጸዊዑ። ብህወሓት ዝምራሕ መሪሕነት ክልል ትግራይ ነቲ ጻውዒት ከም ዝተቐበሎ ብሰንበት፡ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታቱ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝወጸ መግለጺ ደኣ ብቐጥታ ኣይመልሰሉ እምበር፡ ንሰላም ዘለዎ ቅሩነት ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ብመገዲ ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእከል ዘተ-ሰላም ክቕጽል ዘለዎ ድልውነት ኣስፊሩ ኣሎ። እንተዀነ ይብል እቲ መግለጺ መንግስቲ፡ ህወሓት ዝመርሖ ክልል ትግራይ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተሻሪኹ ተደጋጋሚ ጥሕሰት ሰማያት ኢትዮጵያ የካይድ ብምህላዉ መንግስቲ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ የጠንቅቕ። እቲ ተጠቒሱ ዘሎ መጠንቀቕታ ድማ መንግስቲ መዓርፎ ነፈርቲን ካልኦት ኣገደስቲ ህንጻታት መንግስቲ ክቆጻጸር ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ምኽንያት ናይቲ ተመዲቡ ዘሎ ምቍጽጻር መዓርፎ-ነፍርቲ ድማ ሰማያት ኢትዮጵያ ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ንምክልኻልን ናብቲ ዝድለ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ንምብጻሕን ምዃኑ ይጠቅስ።
እንተዀነ፡ ብሕልፊ ናብ ኤርትራ ዘዋስና ዓድታት ቀጻሊ ተዅሲ፡ ደብዳበ ከቢድ ብረትን ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ብምህላዉ ሓያሎ ወገናት ዘለዎም ስምዕታ የቕመጡ ኣለዉ። ኣመሓዳሪት ተራድኦ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ድርኵኺት ዓጸቦ ተሳጢሑ ስለ ዘሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብዘይ ቅድመ ኵነት ክስሕቡ ጸዊዓ።
ፖወር ወሲኻ፡ እቲ ግጭት ንሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ኣማዛቢሉን ገና’ውን የከላብትን ብምህላዉ፡ ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ግጭት ሰለማውያን ዜጋትት ምዃኖም ኣስሚራ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብግደኡ ብምዕራግ እቲ ግጭት ዝተሰምዖ ከቢድ ሓዘን ብምግላጽ፡ ንህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታት ጸዊዑ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር’ውን ብተመሳሳሊ ምትእትታው ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ነቲ ዘሎ ሽግር ነዳዲ ይውስኸሉ ከም ዘሎ ዘሎ ብምምልካት፡ ኤርትራ ብህጹጽ ሰራዊታ ክትስሕብ ኣመልኪቱ። ኣብ ሰነት ኣመሪካ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ቦብ መነንደዝ ብግዲኡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኵነታት ኣመልኪቱ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ኵላቶም ተጻባእቲ ወገናት ህጹጽ ምቍራጽ ተዅሲ ከካይዱ ብምጽዋዕ፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንኽስሕቡ ክሓትት ጸዊዑ። ኵላቶም ኣካላት ንህጹጽ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ዘተ-ሰላምን ክቕበሉ ዘመልከተ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ መነንደዝ፡ ቅልጡፍ ምቍራጽ ተዅሲ ምስ ዘይግበር፡ መሪሕነቱ ነቲ ኣቐዲሙ ብሰነት ኣመሪካ ዝሓለፈ “Ethiopia Peace and Democracy Promotion Act of 2021” ዝብል ውሳነ ንኽትግበር ክሰርሓሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።ኣብ ቤት ምኽሪ ወኪልቲ ህዝቢ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ዝምድናታት ግረጎሪ ሚክስ’ውን ብወገኑ ንትግራይ ሓዊሱ፡ ኣብ በበይኑ ክልላት ኢትዮጵያ ከም በንሻንጉል ጉመዝ፡ ዓፋር፡ ሶማሊያ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ደው ክብል ብምጽዋዕ፡ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ምዕራፍ እቲ ግጭት ኣወንታዊ ኣበርኽቶ ክግበር ዘለዎ ቅሩብነት ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ጆሰፍ ቦረል’ውን ብተመሳሳሊ፡ ብሕልፊ ኣብ ከባቢ ሽረ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ሞት ኣሰንባዲ ክስተት ምዃኑ ኣስሚሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ሓይሎ ዲፕሎማሰኛታት ምዕራብ፡ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ደብዳባት ህልቂት ሰለማውያን ዜጋታትን የጠንቅቑ ኣለዉ። ዓለምለኸ ኮሚተ ህይወት ኣድሕን (International Rescue Committee (IRC)) ኣብ ስራሕ ዝነበረ ኣባሉ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሽረ ብደብዳብ ነፋሪት ድሕሪ ምቕታሉ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ገሊጹ። ሰራሕተኛ ረዲኤት እቲ ትካል ዝዀነ ዜጋ፡ ኣብ ስራሕ እንከሎ’ዩ ዝሓለፈ ቀዳም ምስ ካልኦት ክልተ ሲቪላውያን ዜጋታት ብደብዳብ ነፈርቲ ተቐቲሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን ነቲ ዝተገብረ ጌጋ ብምእማን ዝተስምዖ ሓዘን ኣካፊሉ ኣሎ።