መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ሰሜን ወሎን ጎንደርን ኮነ ኢሉ መሰረተ ልምዓታት ህዝቢ ኣዕኒዩ ክብል ከሲሱ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣሸባሪ ኢሉ ናይ ዝፀውዖ ህወሓት ወታሃደራትን ተሓባበርቶምን ዝበፅሐ ኣእኻል ይዘርፉ ምህላዎም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓረስቶት ሪፖርት ይገብሩ ኣለው ክብል ሓቢሩ።እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለፂኡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ኣውሪዱዎ ካብ ዝበሎ ጉድኣት ብተወሳኺ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እቲ ማሕበረሰብ ዝጥቀመሎም ዝበሎም ትካላት ኣዕኒዩ ክብል ገሊፁ።
እቲ መግለፂ እዚ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኣምሓራን ትግራይን ፅልእን ቅርሕንት ዝፈጥር እዩ ኢሉ ኣሎ ።
ህወሓት ብዛዕባ እዚ ዳሕረዋይ ክሲ ዝሃቦ መልሲ የለን።ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝሃቦም መግለፅታት ግን ንዝቐርቦም ክስታት ብምንፃግ ተፈፂሞም ዝብሃሉ ክስታት ኩሎም ብነፃ ወገን ክፃረዩ ክፅውዕ ፀኒሑ እዩ።
እዚ ሓዲሽ መግለጺ ዝስማዕ ዘሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኹሉ ግንባራት መጥቃዕቲ ከፊቱለይ ክብል ህወሓት ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሕጽንታ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ሓዲሽ መጥቃዕቲ ቀጥታዉ ምላሽ ኣይሃበን፡ እንተኾነ ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ዝኾነት ቢል ለኔ ስዩም ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ከባብታት እታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታቱ ካብ ተግባር ሽበራ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎ እዩ ምባላ ሮይተርስ ጠቒሱ ኣሎ።