ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ሎሚ ከተማ ጎንደር ኣትዮም ኣለው። ኣብቲ ርክብ ንምዕባለታት ኣብ ሓምለ 9 ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ስምምዕ ስላማ ክልቲኣን ሃገራት ከምዝዝትዩ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ወርሒ መስከከረም ኣብ ኣስመራ ዝተካየደ ሱሉሳዊ ርክብ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማል መራሕቲ ሰለስቲኣን ሃገራት ሎሚ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ተራኺቦም ከምዝዝትዩ ተገሊጹ'ሎ።
ኣብ ናይ ከተማ ጎንደር ዑደቶም ንዩኒቨርሲቲ ጎንደር: ንናይ ሕርሻ መስሮ ደምቢያ ወረዳ ከምኡ'ውን ቡሬ ኣግሮ ኢንደስትሪ ፓርክ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።
መራሕቲ ሰለስቲኦም ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ ምውህ ድን ዞባዊ ጉዳያት ንምዝታይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ከተማ ባህር ዳር ምእታዎም ተገሊጹ'ሎ።