ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መልእኽቲ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብምክንያት በዓል መስቀል


ብምኽንያት’ቲ ሎሚ ዝተኸበረ በዓል መስቀል ብጽሑፍ መልእኽቲ ዘሕለፉ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ‘ንኢትዮጵያ፣ ዓባይ፣ ብልጽግቲን ንኩላትና ምችእቲ ሃገር ንምግባር ዝጀመርናዮ ዕላማ ምዕዋቱ ዘይተርፍ’ዩ’ ኢሎም።

እቶም ቀ/ሚ ዝላኣኽዎ ጽሑፍ ‘ነዚ ሓቂ’ዚ ዝብድሁ ሓያላት ዋላ’ውን እንተመሰሉ፣ እናሓደረ ከም ስንቂ ክፎኽሱ’ዮም፣ ንሓቅታትና ዝቐበርዎ መሲልዎም ንጊዚኡ ይሕጎሱ፣ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለው ድማ ሓቅታትና ዝተቐበረ መሲልዎም ይሓዝኑ’ ይብል ።

‘እዚ ግና ባህርይ ሓቂ ካብ ዘይምርዳእ ዝምንጩ’ዩ፣ ንሓቂ ምብዳህ’ምበር ምስዓር፣ ምቅዋም’ምበር ምጥፋእ ፈጺምካ ኣይካኣልን’ ኢሎም።

በዓል መስቀል ሎሚ ብሕልፊ ኣብ አዲስ አበባ ብድሙቕ ተኸቢሩ ኣሎ። ርእሰ-ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ማቲያስ ‘ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ ክርስትያን ይፍጸም ኣሎ’ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ደው ንክብል ጸዊዖም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መልእኽቲ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብምክንያት በዓል መስቀል
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:11 0:00


XS
SM
MD
LG