ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መላፍንቲ ድምጺ ኣመሪካ ዝዀነት “ኣሃዱ ረድዮ” ናይ ደገ ፈነወ ከተቋርጽ መምርሒ ተዋሂባ:ድምጺ ኣመሪካ ምላሽ ሂቡ


በዓል መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ ነታ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ናይ ስራሕ ዝምድና ዝነበረ ኣሃዱ ረድዮ ምስ ደገ ዘለዋ ርክብ ከተቋርጽ መምርሒ ሂቡ።

ኣብቲ ብሓላፊ በዓል መዚ መራኸቢታት ናብ ኣሃዱ ረድዮ ዝተላእከ ምኽንያት ደኣ ኣይግለጽ እምበር፡ እታ ረድዮ ኪንዮ ዝቖመትሉ ዕላማ ትኸይድ ምጽናሓ እቲ ደብዳበ ይገልጽ።

ብመሰረት ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፡ እቲ ብደገ ዝመጸ ናይ ምቍራጽ መምርሒ ንፈነው ድምጺ ኣመሪካ’ውን ዝምልከት’ዩ።

እቲ መምርሒ እታ ናይ ኤፍኤም ረድዮ ኣሃዱ፡ ኪንዮ’ቲ ዝቖመትሉ ናይ ምዝንጋዕን ምሕባርን ተልእኾ ሰጊራ ንፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ምእንጋዳ ብፍሉይ ጠቒሱ ኣሎ።

እቲ መምርሒ ግዜያዊ ድዩ ወይስ ንዅሉ ግዜ ዝተፈልጠ የለን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዳይሬክተር ድምጺ ኣመሪካ ንስጉምቲ በዓል መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ምላሽ ሂበን ኣለዋ::

በዓል መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ኣሃዱ ሬድዮን ቴሌቭዥንን ንፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ከየመሓላልፍ ምእዛዙ ከምዘሕዘነን ዝገለጻ ዳይሬክተር ድምጺ ኣመሪካ ዮላንዳ ሎፓዝ: ድምጺ ኣመሪካ ቅኑዕ: ሚዛናዊን ሓፈሻዊን መምርሒታት ሞያ ጋዜጠኛነት ከምዝስዕብ ብምግላጽ ትሕዝቶ ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ጉዳያት ዝሓዘ ምዃኑ ገሊጸን::

ብተወሳኺ እቲ መምርሒ ንናጻ ምትሕልላፍ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝዕንቅፍ ንናጽነት ፕረስ ዘጎድእን'ዩ::

በዓል መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ንውሳነኡ ዳግማይ ግምት ክገብረሉ ድማ ንጽውዕ ክብላ ዳይሬክተር ድምጺ ኣመሪካ ምላሽ ሂበን ኣለዋ::

XS
SM
MD
LG