ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

" ሕወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ኣካይዱ " ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሕወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓሰከር ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ኣካይዱ፤ ንእዚ ሰሜን ድማ ክዘርፎ ፈቲኑ ክብሉ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺኦም: ሕወሓት ንህዝቢ ትግራይ ክሕልው ንዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከም ናይ ግዳም ሃገርን ወራሪ ሓይሊን ቆጺርዎ፤ በዴልሻህ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ድማ ኲናት ከፊቱ ኢሎም።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብኮማንድ ፖስት እናተመርሐ ሃገር ናይ ምድሓን ተልእኾኡ ክፍጽም ሓላፍነት ተዋሂቦኣሎ ክብሉ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

ብዘይካ'ዚ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር: ቀይሕ መስመር ተረጊጹዩ፤ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ሓላፍነት ድማ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም። ንሶም: ህዝቢ ነቲ ኩነታት ስኽን ብዝበለ መንፈስ ክከታተልን - ኣብ ከከባቢኡ ንዝፍጠሩ ተንኮይቲ ነገራት ብንቕሓት ክከታተል ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቦም።

መንግስቲ - ህዝቢ ትግራይ ንኸይጉዳእ ብምሕሳብ ኲናት ከይኽሰት ክሳብ ናይ መወዳእታ ትዕግስቱ ከምዝተዓገሰ ብምግንዛብ: ኲናት ክተርፍ ዝኽእል ብድሌት ሓደ ወገን ጥራይ ኣይኮነን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

This item is part of
XS
SM
MD
LG