ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ንሃገራት ትሕተ ሰሃራ ንምብጻሕ ተወሳኺ 9 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ


ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ዘካይዶ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ተወሳኺ 9 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ሓቢሩ። ኣብዚ ዞባ በብጊዝኡ ዘጋጥሙ ግጭትን ለውጢ ክሊማን ንነበርቲ'ቲ ዞባ ተወሳኺ ጸገም ኮይኑ ከምዘሎ'ውን ወሲኹ አረዲኡ'ሎ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክፍሊ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤት ማርክ ሎውሎክ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ነፍሲ ወከፍ 70 ሰብ ሓደ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮ ኩነታት ይርከብ ኢሎም።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ 11 ሃገራት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ካብ 106 ሚልዮን ዶላር ክሳብ 1.65 ቢልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዘድልዮም ውጥናት ሓንጺጹ'ሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣርባዕተ ካብዘን 11 ሃገራት ማለት ሪፖብሊክ ኮንጎ: ናይጀርያ: ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን እቲ ዘድልይ ሓገዝ ክውስኽ ከምዝክእል ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ግጭት ሕርሻዊ ምህርቲ'ታ ሃገር ምንቁልቋል ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም ኣስታት 12.8 ሚልዮን ሰባት ኣለው: ብተደጋጋሚ ዝረአ ሕማም ኮሌራን ኢቦላን'ውን ነቲ ኩነታት አጋዲድዎ ይርከብ።

ናይጀርያ ዋላዃ ሓንቲ ካብተን ዝሃብተመት ሃገር እንተኾነት ብሰንኪ መጥቓዕቲታት ቦኮ ሃራም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል'ታ ሃገር ዝርከቡ ሰለስተ ዞባታት ጥራይ 7.1 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ የድልዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ዘጋጠመ ግጭት ዳርጋ ፍርቂ እቲ ህዝቢ ውሕስነት መግቢ የብሉን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዘጋጠመ ደርቂ'ውን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ተጸበይቲ ሓገዝ ክኾኑ ገዲድዎም'ዩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው 93.6 ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ 21.9 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ይገልጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG