ትማሊ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ሞሶቦን ከተማ መቐለ ከባቢ ዕዳጋን ብዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሑዱ ክልተ ሰለማውያን ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝሞቱን ወኪልና ካብ መቐለ ጸብጺቡ ነይሩ።
ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ግን ቍጽሪ ምዉታትን ናብ ሰለስተ ኣደዪቡዎ ኣሎ። ወሃብ ቃል ሕቡራት ሃገራት ነቲ መጥቃዕቲ “ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ንሲቪላዊ ህይወት ዝጎሳቝልን” ክብሎ እንከሎ፡ ወሃብ ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ድማ “ኣብ ትግራይ ብዘጓንፍ ዘሎ መግሃስታት ሻቕሎትና ይዓቢ’ሎ” ክብል ገሊጹ።
ወሃብ ቃል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቶም ከም ዘይተፈጸመ ደኣ ኣብ እዋኑ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም። መንግስታዊ ማዕከን ዝዀነ ድርጅት ፕረስ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ ግን፡ “እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ሚዲያ ፋና ዝኣመሰሉ ናይ ሚዲያን ኢንሳ ታወርን መሳርሕን ዒላማ ዘነፃፀረ ከምዝነበረን እቲ ተልኡኾ ብዓወት ከምተወድአ ተፈሊጡ፡” ክብል ሓቢሩ። ወሲኹ እቲ መግለጺ “ሓይሊ ኣየር ኢፌዴሪኢ ሎሚ ኣብ ዝፈፀሞ ደብዳብ ንፁሃን ዜጋታት ከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ከምተገበረን እዚ ድማ ብዕውትመገዲ ከምተፈፀመ ተገሊፁ፡” ኢሉ።