ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ክለዓል እኹል ጭብጢ የለን ክትብል ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ


ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንምልዓል ዘኽእሉ ጭቡጥ ለውጥታት ኣይተርኣዩን ክትብል ኢትዮጵያ ንቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጣ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ኣርባዕተ ኣምባሳደራት ቀወምቲ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተቐበላ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሚንስትር ድኤታ ወ/ሮ ሂሩት ዘመነ ‘’መንግስቲ ኤርትራ ቅድም ክብል ዝሓዞ ባህሪ ክይለወጠ ነቲ እገዳ ምፍኳስ ኣብቲ ከባቢ ተፅዕኖ ክህልዎ እዩ’’ ምባለን ወሃቢ ቃል እቲ ሚንስትሪ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣረጋጊፆም።

መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመታት ዝተነብረ እገዳ ሕጋዊ ይኹን ምኽንያታዊ መረጋግፂ የብሉን ክብል ክልዓል ብተደጋጋሚ ሓቲቱ’ሎ።

ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳሊሕ ንመበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብዘስምዕዎ መደረ እቲ እገዳ ‘’ሚዛናውነትን ፍትሓውነትን ዝጎደሎ ስለዝኾነ’’ ክልዓል ከምዘለዎን እቲ እገዳ ምቕፃሉ ፋይዳ ዘይብሉ ውሳነ እዩ ምባሎም ይዝከር።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሶማልን ኤርትራን ዘንበሮ እገዳታት ኣፅዋር፣በቲ ኮሚቴ ኣብ ልዕሊ ዝተረቑሑ ውልቀሰባት ናይ ጉዕዞ እገዳን ምድስካል ንብረትን ዝሓወሰ እዩ።

XS
SM
MD
LG