ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርማሪ ኮሚሽን ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፤ “ዝዓመቘ ለጠቕታ” ዝበሎ ሪፖርት ኣውጺኡ


ኣስመራ- ዋና ከተማ ኤርትራ
ኣስመራ- ዋና ከተማ ኤርትራ
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ይመጽእ ምህላዉን፡ ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ድማ ምግዳዱን ጠቒሱ። ወኪል ኤርትራ ነቲ ክስታት ነጺጉዎ ኣሎ።

ፍሉይ ልኡኽ መሓመድ ዓብድሰላም ባቢከር ከም ዝገለጾ፡ ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ነቲ “ገደብ-ኣልቦ” ዝበሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሊሱ ከም ዘጋደዶ ይጠቅስ። ከም ኣዘራርባ እቲ ወኪል ድማ፡ ዕጫ እቶም ካብኡ ንምህዳም ዝፍትኑ መንእሰያት ዝጽበዮም ኣብቲ ሕሱም ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዝርኣዮ ኣብያተ-ማእሰርቲ’ዩ ይብል።ግዳያት ግን እቶም ዝሃድሙ መንእሰያት ጥራይ ኣይኰኑን።

“ብተዘዋዋሪ፡ ስድራቤት እቶም ካብ ዕስክርና ከምልጡ ዝፍትኑ’ውን ግዳያት’ዮም ዝዀኑ። ኣዝማዶም ወይ ስድራቤቶም ብምእሳር ካብቲ ዝሃደሙሉ ኢዶም ንኽህቡ ይገብሩዎም። ካብ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናትን ካብ መዓስከራት ተዓሊም ኤርትራን ክሃድሙ ፈቲኖም ዝተቐትሉ ከም ዘለዉ’ውን ጸብጻብ በጺሑኒ።”

ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ዝጀመረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ድሕሪ ምጽንባራ ኣሽሓት ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተሳተፉ እቲ ኮሚሽነር ይጠቅስ። እቲ ኲናት ድማ ነቶም ኣብ መዓስከራት ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ መንእሰያትን ከም ዝጸለወ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ኣሎ። ከም ኣምሳያኡ ድማ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ናብ ካልእ ሃገር ክስደዱ ከም ዝተገደዱ ኮሚሽነር ባቢከር ኣመልኪቱ።

ኣብ ርክብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ወኪሉ ዝቐረበ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣምባሳድር ተስፋሚካኤል ገራህቱ’ዩ። ኣምባሳድር ተስፋሚካኤል ነቲ “መሰረት-ኣልቦ” ዝበሎ ክስታት ክምልስ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ጠቒሱ። ቀጺሉ፡ እቲ ሓበሬታ ኣብ ውሱናትን ሓላፍነት ዘይብሎም ምንጭታትን ተመርኲሱ ዝተኣከበ’ዩ ክብል ነጺጉ። ኣብ ኤርትራ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ቅልውላው ከም ዘየሎ ዝጠቐሰ ኣምባሳድር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ እኳ ደኣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር እገዳዳት ከቋርጽ ጸዊዑ።

ኤርትራ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣባል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኰይና ንኻልኣይ እብረ ተመሪጻ። ፍሉይ ልኡኽ ባቢከር፡ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘይተኸብር መጠን ንምስሊ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘእቱ’ዩ ክብል ጠቒሱ።

XS
SM
MD
LG