ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ዝተመዘዙ ሚ/ጉ/ወጻኢ ቻይና ናብ 5 ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሑ'ዮም


ፋይል
ፋይል

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ቺን ጋንግ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበፅሑ’ዮም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ሎሚ ሰኑይ ከም ዘፍለጦ ቺን ጋንግ ናብ ኢትዮጵያ:ጋቦን:ኣንጎላ:ቤኒንን ግብፅን ካብ ሎሚ ሰኑይ 9 ጥሪ ጀሚሮም ክሳብ 16 ጥሪ ናይ ሓደ ሰሙን ዑደት ከካይዱ’ዮም። ኣብ ግብፂ ኸኣ ምስ ዋና ፀሓፊ ዓረብ ሊግ ክራኸቡ’ዮም።

እቶም ክሳብ ቀረባ እዋን ኣምባሳደር ዝነበሩ ሓድሽ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣሰር’ቶም ንልዕሊ 30 ዓመታት ኩሉ ግዜ ኣብ ምጅማር ሓድሽ መዝነት ናብ ኣፍሪቃ ዑደት ዝገብሩ ዝነበሩ ቅድሚኦም ዝነበሩ ሚኒስተራት ወፃኢ ብምስዓብ’ዮም ነዚ ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ።

56 ዓመት ዝዕድሚኦም ቺን ጋንግ ኣብ ኣመሪካ ኣምባሳደር ቻይና ኮይኖም ዘገልገሉ ክኾኑ ኸለዉ ኣብ ዝሓለፈ 30 ታሕሳስ’ዮም ሓድሽ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኮይኖም ተመዚዞም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ምሕጽንታ ብምቅራብ ኣሜሪካ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ፅልዋ ኣብ ምቅላስ’ያ ዘላ። ቻይና ኣብ ትሕተ ቅርፅን ፕሮጀክታት ዕደናን ኣፍሪቃ መዋእለ ሃፍቲ ብምፍሳስ ኣብታ ኣህጉር ቀንዲ መሻርኽቲ’ያ ኾይና ምህላዋ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG