ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ርብዒት ህዝቢ ስሪላንካ ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጠሞ ይግለጽ ኣሎ


ብሰንኪ ኣብ ስሪላንካ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ሰባት ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካል ግብረ ሰናይ ቀለብ ዕለት ንምርካብ ነዊሕ መስርዕ ሒዞም ከምዝጽበዩ ተሓቢሩ።

ሓላፊ እቲ "ልሳን እቶም ድምጾም ዘይስምዑ" ዝተባህለ ትካል ሞሰስ ኣካሽ ሎሚ ንልዕሊ 300 ሰባት ድሕሪ ምምጋብና፣ ንዝተረፉ ሰባት ክንምግቦም ኣይካአልናን ይብል።

ኣስታት 6.3 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ስሪላንካ ውሕስና መግቢ የብሉን። ካብዚኦም እቶም 5.3 ሚልዮን ድማ ምሳሖም ወይ ድራሮም ከይበልዑ ዝውዕሉን ዝሓድሩን እዮም።

ስሪላንካ ዘጓነፋ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ፣ መግቢ ካብ ወጻኢ ሸሚታ ንክተእቱ ከቢድ ከምዝገበሮ ዝመጸ ዜና ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG