ሓይልታት ማልታ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብዝደሓኑ ስደተኛታት ዝተጨወየት መርከብ ከምዝተቆጻጸሩን፡ መሪሕነት’ታ መርከብ ንካፒቴን መርከብ ምርካቦም ገሊጾም።
እታ ቦጥ መርከብ ናብ ወደባት ማልታ ከምዝዓረፈትን እቶም ስደተኛታት ድማ ናብ መደበር ፖሊስ ማልታ ንምርመራ ከምዝተወስዱ ብተወሳኺ ተገሊጹ’ሎ።
ሰበ ስልጣን ማልታን ኢጣልያን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ንናይ ቱርኪ ‘አል ሂቡ 1’ ዝተባህለት መርከብ ብምጭዋይ ካብቲ ናብ ሊብያ ተምርሓሉ ዝነበረ ጉዕዞ ናብ ሰሜን ገጻ ክትጥወይ ብምግዳድ ናብ ማልታን ኢጣልያን ከተምርሕ ከምዝገበሩ ትማሊ ረቡዕ ምግላጾም ይፍለጥ።
ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ እታ መርከብ ኣስታት 120 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዘድሓነት ምኳኑ ብምግላጽ “እዚ እቲ ናይ መጀመርያ ብስደተኛታት ዝተፈጸመ ክትራን ባሕሪ’ዩ” ክብሉ ገሊጾምዎ ኣለው።
እታ መርከብ ናብ ደሴታት ላምፓዱሳን ማልታን ተምርሓሉ ዝነበረት እዋን’ያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓልይታት ማልታ ዝኣተወት፡ ሓይልታት ማልታ ምስ ካፕቴን’ታ መርከብ ብዘካየድዎ ርክብ እታ መርከብ ኣብ ቁጽጽር እቶም ስደተኛታት ምኳኑ ድሕሪ ምፍላጦምን እታ መርከብ ማያት ማልታ ድሕሪ ምእታዋን ፍሉይ ስርሒት ብምክያድ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ሓይልታት ማልታ ይሕብሩ።
ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብወገነን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ሰብኣዊ ብዘይኮነ ኩነታትን ስቅያት ከምዝተሓዙ ብምግላጽ ብሰንኪ’ዚ ድማ ናብ ሊብያ ክምለሱ ከምዘይፈቕዱ ኢጣልያን ማልታን ድማ ብሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ካብ ማእከላይ ዝደሓኑ ስደተኛታት ከምዘይቕበሉ ክገልጹ ምጽንሖም ነቲ ኩነታት ከምዘጋድዱ ይገልጹ።