ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓረስቶት ኮንሶ ሓገዝ ይምሕጸኑ፣ እኹል ግብረ-መልሲ ግን ኣይረኸቡን


ኣብ ክልል ደብብ ዞባ ኮንሶ ኣስታት 137-ሽሕ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ጸገም መግቢ ከም ዘለዉ ሚኒስትሪ ሕርሻ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ። እዚ ብደርቂ ዝተጋደደ ኵነታት ብሰንኪ ተደራራቢ ስእነት ዝናብ ምዃኑ ድማ እቲ ቤት ጽሕፈትን ሓረስቶት እቲ ከባቢን ንድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቶም።

ኣብ ወረዳ ዙርያ ካራት ዝነብሩ ኣቶ ካሳሁን ገሌቦ ንዝሓለፈ 4-ዓመታት ዝናብ ብምጥፍኡ ንደርቂ ከም ዝተቓልዑ ተዛሪቦም። ኣብቲ ዞባ እቲ ደርቂ ካብ ዝኸፍኣለን ወረዳታት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ወረዳ ከና ዝነብሩ ሓረስታይ ኣቶ ኦሽጎሬ ኦዳ ብወገኖም ኣብ ዝለዓለ ፀገም ከምዝወደቁ ገሊፆም። ብሰንኪ ደርቂ መብዛሕትኤን ጥሪቶም ከምዝሞትኦም’ዉን ውሲኾም ተዛሪቦም።

ሓላፊ መምርሒ ሕርሻ ዞባ ኮንሶ ኣቶ ከፈነ ችቻሮ ብወደኖም ኩነታት’ቲ ደርቂ ዝኸፍኣ ምኻኑን ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ዜጋታት ህፁፅ ረድኤት ምግቢ ከም ዘድልዮም ገሊፆም።

ዝበልዕዎ ዘይብሎም 137-ሽሕ ዜጋታት ወሲኹ ልዕሊ 227 ሽሕ ሰባት ኣብ ፀገም ከም ዝርከቡ መምርሒ ሕርሻ’ቲ ዞባ አፍሊጡ’ሎ።

መሻርኽቲ ትካላትን ኢትዮጵያውያንን ንህዝቢ ኮንሶ ብሕፁፅ ረድኤት ክልግሱ ፌደራል መንግስቲን መንግስቲ’ቲ ክልልን ተማሕፂኖም’ለዉ።

XS
SM
MD
LG