ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 113 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ገሊጹ


ሕቡራት ሃገራት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ መንጎ ተቓወምቲን መንግስቲን ዝካየድ ኹናት ምህድኡ ስዒቡ ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 113 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ገሊጹ።

ምዕራባዊ ገማግም ሊብያ ቀንዲ መበገሲ ስደተኛታት ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ብኮማንደር ከሊፋ ሂፍጠር ዝምራሕ ዕጡቓት ሚሊሻ ከተማ ትሪፖሊ ንምቁጽጻር ኣንጻር መንግስቲ ኹናት ካብ ዝኸፍቱ ንደሓር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዛሕቲሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ንዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ክካየድ ዝቐነየ ኹናት ትማሊ ሶሉስ ቁሩብ ምዝሓሉ ስዒቡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሶሉስን ሎሚ ረቡዕ 113 ስደተኛታት ሒዘን ዝብገሳ ዝነበራ ክልተ ጀልባታት ደው ከምዘበሉን ነቶም ስደተኛታት ኣብ ምዕራባዊ ክፋል'ታ ሃገር ዝርከቡ መዳጎኒ ማእከል ከምዝተወስዱ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ዓረብን ትሕተ ሰሃራን ዝመጹ ምዃኖም ገሊጾም ኣለው።

ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ግን ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ዕጡቓትን ጉጅለታት አካል'ቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ከምዝኾኑ ክከሱ ጸኒሖም'ዮም።

XS
SM
MD
LG