ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ አባላት ክልቲኡ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ መደረ ከስምዑ እዮም።ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ኣሃዝ መዓቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ልዕሊ ፍርቂ ኣሜሪካዊያን ከምዝድግፍዎም ዝገለጸ እቲ ሪፖርት፣ ዴሞክራሲያዊያንን ሪፐብሊካዊያንን ካብኦም ዝጽበይዎም ብርክት ዝበሉ ነገራት ከምዘለው ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ እቲ ኣጋጣሚ ኣብ 100 መዓልታት እዋን መዝነቶም ካብ ሞንጎ ዘዐወትዎም ኣጀንዳታት ነቶም ቀንዲ ፍጻመ ከጉልሁን ኣብ ዝቅጽላ ኣዋርሕ ትኹረቶም ዝገብሩሎም ጉዳያት ንምጥቃስ ክጥቀምሉ እዮም።
ዋሽንግተን ፖስትን ኤቢሲ ኒውስን ተላፊኖም ኣብ ዘካየድዎ ሓባራዊ ዳህሳስ፣ 52 ሚእታዊት ኣሜሪካዊያን ንስራሕ ባይደን ንኢዶም አለው። እቲ ጸቢብ ብልጫ፣ ምስ ካልኦት ፕረዚደንታት ብምውድዳር (ብዘይካ ፕረዚደንት ትራምፕ) ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ስልጣን ማለት እዩ፣ እቲ ዝተሓተ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ካብ’ቲ ፕረዚደንት ባይደን ክዛረብሉ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓደ ድሕሪ ቅትለት ጂርጅ ፍሎይድ፣ ምትዕርራይ አሰራርሓ ሓይሊ ፖሊስ ክኸውንን እዩ። ኬረን ባዝ ዴሞክራት ኣባል ቤት ምኽሪ እየን፣ ከምዚ ይብላ፣ "ነቲ ዝተዛረበሉን ኣብ’ዚ ጊዜ ብህጹጽ ክፍጸም ኣለዎ ኢሉ ዝጠቀሶን ነገር ደጊሙ ከልዕሎ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለኒ። ንሱ ከምኡ ምስ ዝገብር ብግዴና ጉዳይ ንቅድሚት ንክንደፍኦ ዕድል ዝፈጥር ይመስለኒ።"
ሪፐብሊካዊያን ብግዲኦም፣ ባይደን ንጉዳይ ኢምግረሽንን ነቲ ‘ቅልውላው’ ኢሎም ዝገልጽዎ ኣብ ዶብ ምስ ሜክሲኮ ዝራኣይ ጸገም ንከልዕሉ ድልየቶም እዩ። ኣብ’ቲ ቅድም ኢሉ ዝተጠቀሰ ልፍንታዊ ዳህሳስ ዋሽንግተን ፖስትን ኤቢሲ ኒውስን፣ 53 ሚእታዊት ኣሜሪካዊያን፣ ፕረዚደንት ባይደን ነዞም ክልተ ኣጀንዳታት ዝሓዝሉ ኣገባብ ከምዝነቅፍዎ ኣርእዩ ኣሎ። ብዓይኒ ሪፐብሊካዊያን፣ ድኹም ጎኒ ባይደን፣ ጉዳያት ኢምግረሽንን ኣብ ዶብ ምስ ሜክሲኮ ኣሎ ዝባሃል ጸገም እዩ። ሪፐብሊካዊ ሴነተር ሪክ ስካት፣ "ኣብ ዶብ ክንገብር ኣለና። ናብ’ዛ ከምሕልሞም ክነብሩላ ዝምነዩላ ሃገር ክመጹ ዝደልዩ ሰባት ብሕጋዊ መገዲ ንክኣትው እዩ ድልየትና። "
ምምሕዳር ትራምፕ፣ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር እቲ ኣማራጺ ዝበልዎ ፖሊሲ ኣብ ማእከላይ ኣሜሪካ ዘሎ ኩነታት ምምሕያሽ ዝብል ከምዝኾነ ይጠቅስ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ንክከታተላ ብምምሕዳር ባይደን ዝተመዘዛ ምክትል ፕረዚደንት ካሚላ ሃሪስ፣ ዝመጽእ ሰነ ናብ’ቲ ዞባ ክብገሳ እየን ዝብል ትጽቢት ኣሎ።