ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ስበ ስልጣን ኣመሪካ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ንምብጻሕን ንምሕያል ዝምድናን ናብ ዓረብ ኢማራት ከይዶም


ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን
ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ሎሚ ሰኑይ ኣቡዳቢ ኣትዮም’ለዉ።

ብሊንከን ናብ ኣቡዳቢ ዝኸዱ መራሕቲን ዲፕሎማትን ንዝሞቱ ገዛኢ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዘለዎም ክብሪ ንምግላፅን መልእኽቲ ሓዘን ንምብጻሕን ናብታ ሃገር ኣብ ዝኸድሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ብሊንከን ኣባል’ቲ ብምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካሚላ ሃሪስ ዝመርሕኦ ጉጅለ ላዕለዎት ልኡኻት ኣመሪካ ብምዃን’ዮም ናብ ኣቡዳቢ ከይዶም ዘለዉ። እዚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ናብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ሃገር ዘካየድዎ ፈላማይ ምብጻሕ ኮይኑ ንዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ንምሕያል ዝዓለመ'ውን'ዩ።

ሚንስትር ምክልኻል ሎይስ ኦስተንን ዳይረክተር ዳይሬክተር ሲ.ኣይ.ኤ ዊልያም በርንስን'ውን ኣባላት’ቲ ናብ ዓረብ ኢማራት ዝኸደ ጉጅለ ልኡኻት ኣመሪካ’ዮም።

ንሃገሮም ብዝቀልጠፈ ናብ መድረኽ ዓለማዊ ንግድን ዝቀየሩን ሃገሮም ዞባዊ ሓይሊ ክትኸውን ዝገበሩን ሽኽ ኸሊፋ ቤን ዛይድ ኣል ናህያን ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ብዓርቢ ኣብ መበል 73-ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።

ልኡኻት ነቶም ዝተክእዎም ሸኽ መሃመድ ቤን ዛይድ ኣል ናህያን’ውን ንምምጋስ’ዮም ከይዶም ዘለዉ።

እዚ ድማ ኣቡዳቢ ኣብ ምዕራብን ሃገራት ዓረብን ንዘለዋ ፅልዋ ዘመልክት ተገይሩ ተራእዩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG