ዋሽንግተን —
ሊዊዝ ኢንቺዮ ሉላ ዳ-ሲልቫ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተዓዊቱ። ኣንጻር ፕረዚደንት ጀየር ቦልሶናሮ ዝተወዳደረ ሉላ ዳ ሲልቫ 50.9% ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ`ሎ።ወዲ 77 ዓመት ሉላ ዳ ሲላቫ ትማሊ ሰንበት ከምዝሰዓረ ምስ ተፈልጠ “ብህይወተይ ክቐብሩኒ ደልዮም ኔሮም ኣነ ግን እነሀኹ ኣለኹ” ኢሉ።
የማናዊ ክንፊ ፖለቲካ ዝኽተል ቦልሶናሮ ብወገኑ፡ ብሉላ ዳ ሲልቫ ከምዝተሳዕረ ዛጊት ኣይኣመነን ፡ግን ቅድሚ ሎሚ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ከምዝዕወት ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።
ኣቐድም ኣቢሉ`ውን ንብራዚል መሪሑ ዝነበረ ሉላ ዳ ሲልቫ ፕረዚደንት ከሎ፡ ንሚልዮናት ካብ ድኽነት ከምዘውጽአ ይንገረሉ`ዩ።
ጸጋማዊ ፖለቲካ ዝኽተል ዳ ሊቫ ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2010 ንብራዚል ድሕሪ ምምርሑ፡ ብብልሽውና ተኸሲሱ ን18 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ ኔሩ`ዩ፡ ድሓር ግን ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ነቲ ፍርዲ ገልቢጥዎ ናጻ ተባሂሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንሉላ ዳ ሊቫ ናይ እንዃዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዱሉ`ሎ።