ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ንምክያድ ስልጠና ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ንምክያድ ስልጠና ኣፈፀምቲ ምርጫ ሓዊሱ ወፍሪ ቕስቀሳ ዘካይዱ ፓርትታትን ስቪክ ማሕበራትን ምዝገባ ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣስታት 6,400 ሰልጠንቲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ ግዜ ዝካየድ ህዝበ ውሳነ ንምፍፃም ዘኽእል ናይ ተግባር ልምምድ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ሶሊያና ሽመልስ ብዛዕባ እቲ ቅድመ ምድላው ከምዚ ኢለን።

“ቅድመ ምድላው ክንብል ከለና ብመዳይ ድሕንነት፣ናውቲ፣ሰነድ እንታይ ዓይነት ቅድመ ምድላው እዩ ዝካየድ ዘሎ ዝብል እዩ።መስርሕ ኣዋህባ ድምፂ’ከ ከመይ እዩ ዝብል እውን ይሓውስ።”

ንሰን ወሲኸን እቲ ህዝበ ውሳነ ንቀፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ዝህቦ ተመኩሮ እውን ዓብይ እዩ ኢለን ።

XS
SM
MD
LG