ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህውሓት፡ እዋናዊ ኩነታት ብቕልጡፍ ንምርኣይን ንምግምጋምን ህፁፅ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕን ቤት ምኽርን ኢህወዴግ ጸዊዑ


ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ህፁፅ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕን ቤት ምኽርን ኢህወዴግ ፀዊዑ።ህውሓት ንጉዳያት ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን መሸጣ ኣክስዮን መንግስታዊ ትካላትን ዝምልከት ውሳነ ንህዝቢ ዝተገልፀሉ ኣድላዩ መስርሕ ከይተዛዘመ እዩ ኢሉ።ሕገን ስርዓትን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይተኸተሉ ዝበሎም ምደባ ሓለፍቲ ክእረም እውን ሓቲቱ’ሎ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህውሓት/ ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ህፁፅ ኣኼባ ትማሊ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ንጉዳይ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝወሰኖ ውሳነ ነባሪ ሰላም ዘምፅእ ስለዝኾነ ግቡእ ምዃኑ ገምጊሙ’ሎ ይብል።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢትዮ ቴሌኮምን ሓዊሱ ዓበይቲ ኩባኒያታት መንግስቲ ውሱን ኣክስዮን ንናይ ውሽጥን ወፃእን ሰብ ሃብቲ ክሽየጥ ብፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝተወሰነ ምቕባሉ እውን ህውሓት ገሊፁ’ሎ።

ውሳነ ጉዳያት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራን መሸጣ ኣክስዮን መንግስታዊ ትካላት ልምዓትን ዕላዊ ዝተገብረሉ እዋን ግን ኣይተቐበሎን።እቲ ውሳነ 180 ኣባላት ናብ ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣይቀረበን፣ኣጋር ውድባት ኣይተሳተፍሉን፣ዝምልከቶም ኣካላት እውን ብዝርዝር ኣይተመያየጥሉን ኢሉ’ሎ።ከም ናይ መወዳእታ ውሳነ ንህዝቢ ምእዋጁ ጉድለት ምዃኑ ደምዲሙ’ሎ ይብል።

መግለጺ ህውሓት ኣብ ኢህወዴግ ይካየድ ዘሎ ምደባ መሪሕነት/ሽመት/ ናይቲ ውድብ ስርዓትን ኣሰራርሓን ዘይተኸተሉ ብምዃኖም ክእረሙ ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ይሓትት ይብል ።

ነባር ኣባላት መሪሕነት ህውሓት ኣፍልጦ ክወሃቦም ምውሳኑን ሰላማዊን ሕጋውን መንገዲ ተኸቲሎም መማረፂ ሓሳብ ምስ ዘሰጉሙ ሓይልታት ሓቢሩ ንምስራሕን ድልዊ ምዃኑ ገሊፁ’ሎ።

እቲ መግለጺ እዋናዊ ኩነታት ብቕልጡፍ ንምርኣይን ንምግምጋምን ህፁፅ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕን ቤት ምኽርን ኢህወዴግ ንክፅዋዕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ይሓትት ኣሎ ይብል ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG