ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃረር፡ ከባቢ ፋብሪካ ቢራ ይግብኣና’ዩ ዝብሉ ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቓዕቲ ፈጺሞም ክብሉ ነበርቲ ሓቢሮም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሃረር ኣብ ከባቢ ፋብሪካ ቢራ ሃረር ዝሰፈሩን እቲ ከባቢ ንዓና ይግብኣና እዩ ዝበሉን መንነቶም ዘይተፈልጡ ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢን ኣባይትን መጥቓዕቲ ምፍፃሞም ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

“ንዝኾነ ይኹን ብሄር ዘይውክሉ መሬት ይግብኣና እዩ ብዝብል ካብ ካልእ ከባቢ መፂኦም ብምስፋር ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝነብሩ ሰባት ኣባይቲ ኣፍሪሶምን ጉድኣት ኣውሪዶም እዮም።ገዛውቲ ከፍርሱ ከለው ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝነብሩን ወነንቲ ኣባይትን ግጭት ፈጢሮም እዮም”ክብሉ ሓደ ካብ ነበርቲ ሓቢሮም።

ኣካላዊ መጥቓዕትን ምፍራስ ኣባይትን ዝወረዶም ብብሄር ዝተፈለዩ ሰባት ዘይኮኑስ ኩሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ግዳያት ምዃኖም እቶም ናይ ዓይኒ ምስክር ገሊፆም።

ፖሊስ ሃረር እቲ መጥቓዕቲ ክፍፀም ከሎ ስቕ ኢሉ ይሪኦም ከምዝነበረ ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ገሊፆም።

እቲ ፀገም ብውልቀሰባት ዝተልዓለ ግጭት እዩ ዝበሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ረመዳን ዑመር ግን ፖሊስ መፍትሒ ንምምፃእ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG