ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ዙማ ካብ ስልጣነይ ክወርድ ዝግበር ጸቕጢ ፍትሓዊ ኣይኮነን ኢሎም


ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣነይ ክወርድ ዝግበር ፀቕጢ ፍትሓዊ ኣይኮነን፤ዝሰራሕኹዎ ጌጋ እውን ኣይተነግረንን ክብሉ ሎማዕንቲ ረቡዕ ብቐጥታ ኣብዝተመሓላለፈ ቃለ መጠይቕ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ዙማ ብመንግስታዊ መራኸቢ ማዕኸን SABC ክዛረቡ ከለው ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ምስ ሽዱሽተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ገዛኢ ፓርቲ ANC ተራኺቦም ከምዝነበሩን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ሓሳብ ከምዝቕረቡን ገሊፆም።

መራሕቲ ANC ግን ነቲ ውጥን ብምንፃግ ብዘይውዓል ሕደር ክወርዱን ሓቲቶምዎም ኣለው።ዙማ ንምውራድ ፍቓደኛ እንተድኣ ዘይኮይኖም ግን ፓርላማ ኣብ ልዕሊ ዙማ እምነት ናይ ምንፋግ ድምፂ ፅባሕ ሓሙስ ክህብ እቲ ፓርቲ ገሊፁ’ሎ።

75 ዓመት ዝዕድሚኦም ፕረዚደንት ዙማ ድሕሪ ናይ ትሽዓተ ዓመት ናይ ስልጣን እዋኖም እታ ሃገር ቁጠባኣ ብምንቁልቋሉን ንሶም ኸኣ ብርክት ዝበሉ ክስታት ብልሽውና ቀሪቡዎም እዩ።

XS
SM
MD
LG