ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩ ብሎገራትን ጋዜጠኛታትን ክፍትሑ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ፀዊዑ


Jen Psaki, Spokesperson, US Department of State, Washington, DC, April 10, 2014
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝፅሕፉ ሽዱሽተ ኣባላት Zone 9 ብሎገራትን ሰለስተ ጋዜጠኛታትን ምእሳሮም ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጉዳይ እቶም እሱራት ብቕልጡፍ ደጊሙ ክሪኦን ክፈትሖምን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ፀዊዑ።ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን ነቲ ማእሰርቲ ብምቅዋም ብህፁፅ ንኽፍትሑ ኣብ ምሕታት ይርከቡ።

ምንስቴር ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሓዊሱ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቑ CPJን Article 19ን ከምኡ እውን ህውማን ራይትስ ዎችን ዝኣመስሉን ተሓለቕቲ መሰላት ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢንተርኔት ንዝፅሑፉ ሽዱሽተ ብሎገራትን ሰለስተ ጋዜጠኛታትን ምእሳሩ ከምዝተሓሳሰቦም ገሊፆም ኣለው።

ወሃቢት ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ Jen Psaki ትማሊ ኣብዝሃብኦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣሰሮም ትሽዓተ ብቕልጡ ንኽፈትሖም ፀዊዐን።
ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ሽዱሽተ ብሎገራትን ሰለስተ ጋዜጠኛታት ብsocial media /ማሕበራዊ መራኸቢ/ ኣቢሎም ህዝባዊ ዓመፅ ንምልዓል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢሉ ንባዕሉ ምስ ዝፅውዕ ጉጅለ ክኣልሙ ሒዝናዮም ኢሉ’ሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ።ዝርዝሩ የድምፁ።
XS
SM
MD
LG