ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ዝዋይ ተወላዶ ወላይታ ኣብ ብሄር ዘተኾረ መጥቓዕቲ ተፈጺሙና ይብሉ


ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ባቱ ወይ ከአ ከተማ ዝዋይ ተወላዶ ወላይታ ኣብ ብሄር ዝተኾረ መጥቓዕቲ ተፈጺሙና ይብሉ።

ሓያለ ተወላዶ ወላይታ’ውን ነታ ከተማ ራሕሪሖም ይወጹ ከምዘለው ተገሊጹ’ሎ። ሓደ በዓል ስልጣን’ቲ ከባቢ እቲ ጎንጺ ከምዝተላዕለ፡ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምፍራስ ብዝዓለሙ ውሑዳት ሰባት’ዮም ግን’ቲ ኩነታት ተረጋጊኡ ይብሉ።

ነቲ ጎንጺ ዘለዓዓሎ ሓደ ተወላዲ ወላይታን ሓደ ተወላዲ ኦሮሞን ተባኢሶም ህይወት’ቲ ተወላዲ ኦሮሞ ብምሕላፉ’ዩ። ብሰንኪ’ዚ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ወላይታ ጥራይ ምትኳሩ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

እቲ ብሰንኪ’ቲ ባእሲ ዝሞተ ተወላዲ ኦሮሞ ኣብ ዝተቀብረሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ወላይታ መጥቓዕቲ ተጀሚሩ ክብል ነባሪ’ታ ከተማ ዝኾነ በቀለ ዝተባህለ ውልቀሰብ ነቲ ኩነታት ከምዚ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

“ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ’ዩ ጀሚሩ። ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዝኸውን አባይቲ ነዲዱ፡ ፍሬታት ዝሽየጠሉ ቦታ ከምዘለዎ ነዲዱ። ንብረት ተዘሪፉ ዝሞቱ ወልቀሰባት’ውን አለው። ሓደ ኣርባዕተ ዝኾኑ አለው ግን ናብ ገጠር ንስራሕ ከይዶም ኣብኡ ዝተቐትሉ ብዙሓት ኣለው።”

ኣመሓዳሪ’ቲ ከባቢ አቶ ተፈሪ ንታቱ እቲ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ኣሚኖም ግን መበገሲ’ቲ ጎንጺ ኣብ መንጎ ክልተ ውልቀሰባት ዝተፈጥረ ዕለታዊ ጎንጺ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሎም ገሊጾም።

“በቲ ዝተፈጥረ አጋጣሚ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምፍራስ ዝደልዩ ሰባት’ዮም ንስድራን ተወላዶ ወላይታን ተወላዶ ኦሮሞ ከምዝቀተለ ጌሮም ከውርዩ ዝነብሩ በዚ ተላዓዒሉ ሓደ ሓደ ጎንጺ ተላዒሉ’ሎ። ሰብ ምስ ሰብ ክበአሱ ጸኒሑ’ዩ ዝተጎድኡ ሰባት’ውን ካብ ተወላዶ ኦሮምን ወላይታን አለው። እዚ ተግባር ንብሄረሰብ ኦሮሞ ዘይገልጹን ዘይውክልን ንብሄረሰብ ወላይታ’ውን ዘይውኽል’ዩ ኔሩ።”

ኣቶ በቀለ ግን ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ነበርቲ’ቲ ክተማ ምኳኖም ዘይፈልጥዎምን ካብ ሻሸመነ አርሲ ዝተፈላልየ ቦታ ዝመጹ ምካኖም እንተኾነ ግን እቲ መጥቓዕቲ ክፍጸም ከሎ ሕጋዊ ስጉምቲ ኣይወስዱን ዝብልዎም ፖሊስ’ታ ከተማ እቲ ጉዳይ ዝተወጠነ ኣምሲሎም’ዮም ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG