ዋሽንግተን —
ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ኣብ ገዳም ዙቃላ ንኣርባዕተ ሃይማኖታዊ ኣቦታት ዝቀተሉ ዘይሕጋዊያን ሓይልታት ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ንሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ተሓታቲ ዝገብር ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ምልሻታት’ቲ ክልል ምስ ካልኦት ትካላት ድሕነት ሓቢሮም፣ ነቶም ከቢድ ገበን ዝፈጸሙ ይሃድንዎም ከምዘለው ሓቢሩ ኣሎ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፣ እቶም ሃይማኖታዊያን ኣቦታት ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ዮም ተቀቲሎም ከምዝበለት’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወሃብ-ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝዀነ ኦዳ ተርቢ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ሰራዊቶም ነቲ ቅትለት ከም ዘይፈጸሞ ሓቢሩ። እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ፡ መንግስቲ እኹል ገምጋም ከይገበረ ንዝዀነ ስእነት ጸጥታ ናብቲ ሰራዊት ከም ዘጸግዖ ጠቒሱ።
ገዳም ዙቃላ ካብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ 80 ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ።
ቅጥዒ