ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዚምባብወ: ዘተ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ከምዘይቀንዐ ይግለጽ ኣሎ


ፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ ኣብ መመረቕታ ኦፐን ዩኒቨርስቲ ዚምባብወ
ፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ ኣብ መመረቕታ ኦፐን ዩኒቨርስቲ ዚምባብወ

ፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ: ሎሚ ዓርቢ 17 ሕዳር ኣብ መመረቕታ ኦፐን ዩኒቨርስቲ ዚምባብወ ተረኺቦም።

ፕረዚደንት ሙጋበ ቻንሰለር ማለት ላዕለዋይ ሓላፊ ዩኒቨርሲቲ እታ ሃገር ብምዃን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተረኽቡ: ድሕሪ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ ሓይሊ ምትእትታው ኣብ ማሕዩር ገዛ ድሕሪ ምጽንሖም ንፈለማ ግዜ’ዮም ናብ ዓይኒ ህዝቢ ቐሪቦም።

ወሃቢ ቃል እቶም ወተሃደራዊ ምትእትታው ዝገበሩ ሓይልታት ምክልኻል ዚምባብወ: ፕረዚደንት ሙጋበን በዓልቲቤቶም ግረስ ሙጋበን ኣብ ውሑስ ኩነታት ምህላዎም ብመራኸቢ ብዙሓን ድሕሪ ምግላጾም ዝርአ ዘሎ’ዩ።

ሓይልታት ምኽልኻል ዜምባብወ ትማሊ ሓሙስ ገለ ምስልታት ሮበርት ሙጋበ ዝዘርግሑ ክኾኑ ከለው ብመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ኣብ ዝተዘርገሓ መግለጺ እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ብዛዕባ መጻኢ ኩነታት ምስ ሮበርት ሙጋበ ይዘራረቡ ከምዘለው ፓርቲ ዛኑ ፒ ኤፍ ዝገለጸ ኮይኑ ውጽኢቱ ድማ ብዝቐልጠፈ ንህዝቢ ከምዝፍልጡ ሓቢሮም ኣለው።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ: ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ዝገበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዚምባብወን ሮበርት ሙጋበን ክካየድ ዝጸንሐ ኣብ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ዘተኮረ ዘተ፡ ፕረዚደንት ሙጋበ ስልጣኖም ክለቁ ፍቓደኛ ብዘይምዃኖም ከምዘይተዓወተ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣባላት ካቢነ ፕረዚደንት ሙጋበ: ወተሃደራውያን ሰበ ስልጣን: ቀሺን ተወካሊ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማን ምዃኖም ይንገረሎም ኣሎ። ዚምባብያውያን ብወገኖም: ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ስክፍታታት ከምዘለዎም ምግላጾም ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ምስታፎም እምበኣር: ንብዙሓት እቲ ዘተ ከምቲ ዝተወጠኖ ከምዘይቀንዐ ዘርኢ ኮይኑ’ዩ ቀሪቡ። ይኹንምበር ሓይልታት ምክልኻል ዚምባብወ እቲ ዘተ ጽቡቕ ምዕባለ የርኢ ምህላውዮም ዝገልጹ።

ቀንዲ አባላት ተቓዋሚ ፓርቲ ዚምባብወ ቅድሚ ዝመጽእ ዓመት ዝኻየድ ምርጫ እታ ሃገር መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ክጽውዑ ከለው መራሒ ተቓወምቲ ሞርጋን ትራቫንጋሪ ግን ሮበርት ሙጋበ መዝነቶም ክለቑ ኣለዎም ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዚምባብወ: ዘተ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ከምዘይቀንዐ ይግለጽ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:24 0:00

XS
SM
MD
LG