ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ዚምባብወ ንወዶም ም/ሚንስተር ጌሮም መዚዞም


 ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንጋጉዋ
ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንጋጉዋ

ዳግማይ ዝተመረጹ ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንጋጉዋ ካብ ደቆም ንሓደ ካብ ደቂ ሓፍቶም ድማ ንሓደ ምኽትል ሚንስተር ገይሮም ድሕሪ ምምዛዞም ትማሊ ሰሉስ ምስ ሓድሽ ካቢነኦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም።

ካቢነ ብገዛኢ ሰልፊ ዛኑ ፒ፡ኤፍ ዝተዓብለለ እዩ። ወዲ 34 ዓመት ወዶም ዴቪድ ኩዳኩዋሸ ምናንጋጉዋ ምኽትል ሚንስተር ቱሪዝም ገይሮም ምሻሞም ብተቓወምቲ ነቐፌታ ኣስዒብሎም ኣሎ። ኣባላት ስድርኦም ምሻሞም ብፍሉይ ዘሰክፍ እዩ ክብል'ውን ሓደ ተቓዋሚ ውድብ ርእይትኡ ሂቡ።

ወዲ 80 ዓመት ምናንጋጉዋ ካብ ቀንዲ ተቓዋሚ ኣባል ፓርቲ ጥምረት ዜጋታት ንለውጢ ዋላ ሓደ ኣይሓወሱን። እቲ ተቓዋሚ ፓርቲ ንውጽኢት ዝሓለፈ ወርሒ ንዝተኻየድ ምርጫ እውን ነፂጉዎ እዩ።

ተኣማንነት ናይቲ ምሃብ ድምፂ ብምዕራባዊያንን ኣፍሪቃዊያን ተዓዘብቲ ኣብ ሕቶ ወዲቑ ምንባሩ ይዝከር።

ምናንጋጉዋ ንመብዛሕቲኦም ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ ሚንስተራት ኣብ ኣብቲ ሓድሽ ካብነ ኣቐፂሎምዎም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG