ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ዚምባብወ ንገዛእ ርእሱ ነብይ እየ ኢሉ ዝሰብኽ ውልቀሰብ ምእሳሩ ኣፍሊጡ


ፖሊስ ዚምባብወ ንገዛእ ርእሱ ነብይ እየ ኢሉ ዝሰብኽ ውልቀሰብ ኣብ ቐይዲ ምእታው ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ነቲ ሰባኺ ኣብ ቐይዲ ዘእተዎ ኣብ ከባቢ`ቲ ቤተ-እምነቱ 16 ዘይፍለጥ መቓብራትን ልዕሊ 250 ብሕሱር ሸቕሊ ዝነብሩ ቆልዑትን ምስ ረኸበ`ዩ።

ንገዛእ ርእሱ 'ነብይ' ኢሉ ዘቐምጥ ወዲ 56-ዓመት ኢሽማኢል ቾኩሮንግረዋ፡ ካብ ሃራረ 34 ኪ.ሜ ውጽእ ኣብ ዝርከብ ቦታ ልዕሊ 1,000 ኣመንቲ ኣባላት ሒዙ ከም ዝንቀሳቐስ ዝገለጸ ፖሊስ ዚምባብወ፡ ኣብቲ ቀጽሪ ዝሽቅሉ ቆልዑት ስሩዕ ናይ ትምህርቲ ዕድል`ኳ ከም ዘይብሎም ምፍላጡ ሓቢሩ`ሎ።

ካብ መንጎ`ቶም መቓብሮም ዝተረኸበ ሰባት፡ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ዘይተመዝገቡ ሸውዓት ህጻናት ከም ዝርከብዎም ተሓቢሩ`ሎ።

እንተኾነ ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ገለ ኣመንቲ፡ ፖሊስ ነቶም ቆልዑት ዘበሉ ካብቲ ቦታ ምውሳዶም ይቃወምዎ`ለዉ ክብል ኣሶሼይትድ ፕረስ ሓቢሩ'ሎ።

ሓንቲ ሰበይቲ፡ ንምንታይ ደቅና ትወስድዎም ኣለኹም፣ ኣብዚ ጸገም የብልናን እናበለት ክትጭድር ከላ `ውን ኣብ ብኣሶሴይትድ ፕረስ ዝተዘግሐ ቪድዮ ትርኣይ።

ብተመሳሳሊ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬንያ`ውን ንሓደ ንኣመንቲ “ንክድሕኑ ብጥምየት ክትሞቱ ኣለኩም “ እናበለ ዝሰብኽ ዝነበረ ፓስተር ኣብ ቐይዲ ምእታው ይዝከር። ብሞት 429 ሰባት ተሓታቲ ኮይኑ`ውን ክሲ ተመስሪትዎ ምህላው ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG