93 ዝዕድምኦምን ናይ ዓለምና ብዕድመ ዝደፍኡ መራሒ ምዃኖም ዝግለጸሎም ፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ: ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ማሕዩር ገዛ ድሕሪ ምውዓሎም ስልጣን ንመሰጋገሪ መንግስቲ ምርካብ ከምዝኣበዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ክኣትው ዝኸኣሉ: ብላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ዚምባብወ ጀነራል ኮንስታንቲኖ ቺወንጋ ዝተመርሑን ታንክታትን ካልኦት ድሩዓት ወተሃደራውያን መካይን ዝዓጠቑን ሰራዊት እታ ሃገር ዝሓለፈ ሰሉስ 14 ሕዳር ቅልጡፍ: ዝተወሃሃደን ደም ምፍሳስ ዘይተራእዮን ወተሃደራዊ ስርሒት ኣካይዶም: ንመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝርከብዎ ኣገደስቲ ቦታታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም እዩ። በዚ ድማ ክሳብ ሕጂ እታ ሃገር ኣንፈቱ ኣብ ዘየፍለጠ ቅልውላው ከምዘላ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ ኣለው።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ: ኣቐዲሙ ዝተባረረን ጠንቂ ናይዚ ህልው ኩነታት ምዃኑን ዝእመነሉ ምክትል ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር ኢመርሶን ምናንጋግዋ ምስ ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾነ ሞርጋን ስቫንጋሪን ክልቲኦም ካብ ስደት ናብ ዚምባብወ ተመሊሶም ኣብ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ይሸባሸቡ ምህላዎም ተሓቢሩ።
ኩነታት ዚምባብወ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ሃንደበት ክዓርግ ዝኸኣለ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዚምባብወ ጀነራል ኮንስታንቲኖ ቺወንጋ ኣቐዲም ኣቢሉ ፕረዚደንት ዚምባብወ ንደገፍቲ ምናንጋግዋ ኣቖጢዑ ካብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ዝፈሊ ተግባራት እንተዘይተቖጢቦም ኢዶም ክመልሱ ምዃኖም ብምጥንቃቑ'ዩ። እዚ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምትሕልላፉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ድማ ብታንክታት ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ስርሒት ተኻይዱ።
ፕረዚደንት ሙጋበ ንምክትሎም ኢመርሶን ምናንጋግ ሕዳር 5 ድሕሪ ምብራሮም: ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን እውን ከምዘባረሩ'ዩ ዝሕበር ዘሎ። እቶም ፕረዚደንት ነዚ ስጉምቲ ምብራር ዝወሰዱ ንበዓልቲ ቤቶም ግረስ ሙጋበ ኣብ ቦታ ዝተባረረ ምክትል ፕረዚደንት ንምሻም መደብ ከምዝነበሮም እውን ይግለጽ ኣሎ። እዚ ድማ ንሶም ብእርጋን ተሰኒፎም መሪሕነት ክቕጽሉ ኣብ ዘይክእልሉ ወይድማ ብሞት ምስ ዝፍለዩ በዓልቲ ቤቶም ግረስ ሙጋበ መራሒት ሃገር ኮይና ክትቅጽል ዝዓለመ ምንባሩዩ ዝጥቀስ።
ወታሃደራዊ ሓይልታት ዚምባብወ እቲ ስጉምቲ ዕልዋ ከምዘይኮነ ክገልጹ ከለው ሓያል ምኳኑ ዝንገረሉ ምትእኽካብ ገዳይም ኩናት ድማ “ደም ምፋስስ ዘይብሉ ምትዕርራይ’ዩ” ክብሉ ገሊጾም ኣለው እንተኾነ እቲ ዝበሃል ክውን ኽከውን ብዘይ ግጭት ዝእለ መራሒ ንዚምባብወ የድልያ ኣሎ።