ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ዘለንክሲ ዝምድና ምስ ኣመሪካ ንምዕራይን ስምምዕ ማዕድናት ንምፍራምን ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጾም


ፕረ.ዘለነስኪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ለንደን ዝሃብዎ መብርሂ
ፕረ.ዘለነስኪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ለንደን ዝሃብዎ መብርሂ

ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘለንስኪ ሃገሮም ስምምዕ ማዕድናት ምስ ኣመሪካ ንምፍራም ድልውቲ ምዃናን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎም ርክባት ክዕረ ከም ዝኽእል ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

ዘለንስኪ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ለንደን ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣመሪካ ስምምዕ ማዕድናት ንምፍራም ቅርብቲ ከም እትኸውን እምነቶም ገሊፆም።

ክልቲኦም ወገናት ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝበፅሕሉ ግዜ ነቲ ስምምዕ ክፍርሙ ትፅቢት ገይሮም ነይሮም። ይኹን እምበር ምስ ፕረዚደንት ትራምፕን ምኽትል ፕረዚደንት ጄይዲ ቫንስን ኣብ ዝተረኸብሉ እዋን መሪር ናይ ቃላት ምልውዋጥ ምስ ገበሩ እቲ መሰናድኦ ተዓናቒፉ።

ዩክሬን ሰለስተ ዓመት ንዘቑፀረ ወራር ሩስያ ኣብ እትገብሮ ቓልሲ ሓገዝ ኣመሪካ ከም እትፅበ ዘለንስኪ ትማሊ ሰንበት ገሊፆም።

ዘለንስኪ"ከምኡ ዝበለ ሓገዝ ጠጠው ምባል ንፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ጥራሕ እዩ ዝሕግዝ’’ ኢሎም ።

ኣመሪካ ንዩክሬን ዝሓገዘቶ ብቢልዮን ዶላር ዝቑጸር ሓገዝ እትምልሰሉ መገዲ ናይ ማዕድን ስምምዕ ንምግባር ዝሃቀኑ ትራምፕ ኣብቲ ናይ ዓርቢ ርክቦም ዘለንስኪ ሞሳ ዘይብሉ ኢሎምዎም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመር ትማሊ ሰንበት ንመሻርኽቶም ከም ዝበሉዎ ኣመሪካ ንዩክሬን እትህቦ ደገፍ ሰንከልከል እናበለ ስለ ዝርከብ ኣውሮጳ ንርእሳ "ኣብ ታሪኽ ኣብ መስቀላዊ መገዲ’’ ረኺባቶ ኣላ ኢሎም።

ስታርመር ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ምስ ዘለንስኪ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ዩክሬን ናይ ምክልኻል ተኽእሉኣ ንምዕባይ ካብ ናይ ሩሲያ ንብረት ካብ ዝርከብ ትርፊ ዝኽፈል ናይ 2.48 ቢሊዮን ዶላር ልቓሕ ዕላዊ ገይሮም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ክረምሊን ድሚትሪ ፐስኮቭ እቲ ናይ ልቓሕ ስምምዕ "ግጭት ክቕፅል’’ ዝገብር እዩ ኢሉዎ ኣሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG