ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ዘለነስኪ ናይ ‘ዓወት ውጥን’ ንምጽንባር ናብ ኔቶ ዝሓዘ ምዃኑ ይዛረብ


ፕረዚደንት ዘለነስኪ ኣብ ፓርላማ ሃገሮም
ፕረዚደንት ዘለነስኪ ኣብ ፓርላማ ሃገሮም

ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘለነስኪ ሎሚ ረቡዕ ንፓርላማ’ታ ሃገር ዘቕረቦ ናይ ‘ዓወት ውጥን’ ዝብል መደብ ምዕራባዊያን መሻርክቲ ዩክሬን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ዕድመ ከቕርባ ዝብል ይርከቦ። ንሱ ነዚ ውጥን ምትግባር ምስ ዝጅመር ምስ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክዛዘም ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ።

ዘለነስኪ ነዚ ውጥን ካብ ምዕራባዊያን መሻርክቲ ተቐባልነት ክረክብ ክሰርሕ ጸኒሑ’ዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ምዕራባውያን ብወግዒ ደገፎም ምግላጽ ኣቋሪጾም’ዮም። እቲ ብፕረዚደንት ዘለነስኪ ዝቐረበ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ወታሃደራዊን ዲፕሎማሲያዊ ረቋሒታት ዝሓዘ ውጥን ብብዙሓት ዩክሬን ኣብ መጻኢ ዝካየድ ልዝብ ምቁራጽ ተጻብኦ ምስ ሩስያ ላዕለዋይ ኢድ ክህልዋ ዘኽእል ሓደ ካብ ናይ መወዳእታ ኣማራጺታት’ዩ ክብሉ ይገልጹዎ። ይኹን ደኣ እምበር ክሳብ ሕጂ ነዚ ውጥን ዝምልከት ደገፍ ኮነ ርእይቶ ዝሃበት ሃገር የላን።

ፕረዚደንት ዘለነስኪ ዝመጽእ ዓመት ሓድሽ ፕረዚደንት ናብ መሪሕነት ከይመጸ ነዚ ውጥን ክትግበር ክጽዕሩ ጸኒሖም’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG