ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽትል ኣዛዚ መርበብ ሽበራ ኣልቃይዳ ኣይማን ኣልዘዋህሪ ንኦሳማ ቢን ላዲን ክትክኦ ከምዝኽእል ይግለፅ'ሎ


ሞት ቤንላደን ስዒቡ ንኣልቃይዳ መን ኾን ይመርሖ ይኸውን ኣብ ዝብል ግምታት እናተውሃቡ እዮም።ብተደጋጋሚ ወሃቢ ቃል ኣልቃይዳ ኮይኑ መግለፂ ዝህብ ዝነበረን ምስ ኦሳማ ቤንላደን ብዘለዎ ቕርበት ዝገልፅን ግብፃዊ ኣይማን ኣልዘዋህሪ ብቐዳምነት ይጥቀስ።

ኣይማን ኣልዘዋህሪ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ዘወፅኦ ናይ ድምፂ መልእኽቲ ንሙጃሂድን ብዛዕባ ሕጊ ሸሪዓ ንኸማኽሮም ቢንላዲን ከምዝመደቦ ይሕብር።

ዘዋህሪ ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ስቴትስ ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ 11-መስከረም 2001 ኣ/ፈ ሓዊሱ ናይቲ ጉጅለ መጥቓዕታት ኣብ ምትላም ናይቲ መርበብ ግብረ ሽበራ ቀንዲ ኣእምሮ ከምዝኾነ ብብዙሓት ይእመን።

ቤን ላዲን ካብ ዝሃቦ ናይ ስነ-ሓሳባውን ገንዘባውን መሪሕነት ብዝበለፀ ኣብ ግብፂ ብዝነበሮ እስላማዊያን ናይ ምውዳብ ተመኩሮ እቲ ናይ ብሓቂ መስራቲ ኣልቃይዳ ኣልዘዋህሪ እዩ ይብሉ።

ብሙያ ናይ መጥባሕቲ ሓኪም ዝኾነ ዘዋህሪ ምስ ኦሳማ ኣንፃር ሕብረት ሶቪየት ይዋጉኡ ኣብ ዝነበሩላ ኣብ ኣፍጋኒስታን እዮም ተራኺቦም። ናይ እስላማዊ ኣኽራርነት እምነቱ ግን ካብ ቁልዕነቱ ይጅምር።

ኣብ ናይ ግብፂ ቤት ማእሰርቲ ኣብ 1980'ታት ምስ ኣይማን ዘዋህሪ ተኣሲሩ ዝነበረ መተኣስርቱ ግን ግጥሚ ምፅሓፍ ዘዘውትር ህዱእ ሰብ ከም ዝነበረ ይዝክሮ። እቲ ዝገርም ድማ እዚ ባህሪዚ መግለፂ ናይ ኩሎም መራሕቲ መርበብ ግብረ ሽበራ ምዃኑ እዩ።

ዘዋህሪ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፍለጥን። ንኦሳማ ቤን ላዲን ዝትክእ ብሕታዊ ሕፁይ ከምዝኾነ ግን ብዙሓት ይገልፁ።ገለ ክኢላታት ግብረ ሽበራ ግን ኣልቃይዳ መራሒ ዘድልዮ ምዃኑ ኣብ ሕቶ የእትውዎ። ዝህብዎ ምኽንያት ቤን ላዲን ድሕሪ ሞቱ እንተኾነ’ውን ሓያልን ኣብነታዊ ምልክትን ኮይኑ ክቕፅል እዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG