ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ዛምብያ 48 አባላቱ ካብ መዝነቶም ክለዓሉ ኣዚዙ


ፋይል- ተቓውሞ ኣብ እዋን ምርጫ ዝሓለፈ ዓመት
ፋይል- ተቓውሞ ኣብ እዋን ምርጫ ዝሓለፈ ዓመት

ፓርላም ዛምብያ ን48 ሰብሞያ ተቃወምቲ አባላቱ ካብ መዝነቶም ክለዓሉ ዝአዘዘ እቶም ተቓወምቲ ኣብ መደረ ፕረዝደንት ብዝስምዕዎ ኣድማ እዩ።

እቶም ተቃወምቲ ሰሞ ሞያ ሕጊ ንዝመጽእ 30 መዓልቲ ኣብ አኼባ ፓርላማ ከይሳተፉ’ውን ተአጊዶም’ዮም።

ወሃቢ ቃል ፓርላማ’ታ ሃገር ፓትሪክ ማቲቢኒ እቶም 48 ኣባላት ፓርላማ ኩላቶም አባል’ቲ ዝዓበየ ተቃወምቲ ፓርቲ እታ ሃገር እዮም እንተኮነ ከምዚ ዓይነት ዓድማ ኣብ እዋን መደረ ፕረዝደንት ምኽያዶም “ዓብይ ጌጋ’ዩ” ክብሉ ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ተቓወምቲ ፓርቲ ቻርለስ ካኮማ ግን ምስ ወሃቢ ቃል ፓርላማ ኣይሰማምዑን። ኣቐዲሞም ዛምብያዊያ ሰብ ሞያ ሕጊ ተቓውሞኦም ብተመሳሳሊ ክገልጹ ምጽንሖም ግን እንተኾነ ዝኾነ ሳዕቤን ከምዘይነበሮ ይሕብሩ።

“ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እዛ ሃገር አባላት ፓርላማ ናይ ምዝራብ ነጻነትን ሓሳብኻ ናጽነት ምግላጽ መሰል ኣለዎ። እዚ መሰል ስቕ ምባልን ካብ ኣኼባ ምውጻእን ወይ’ውን ኣብ ኣኼባ ፓርላማ ዘይምስታፍን ዘጠቓልል’ዩ ስለዚ እዚ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም’ዩ።”

እዚ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምቲ ፓርታት እታ ሃገርን ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ምርጫ ዝጀመረ ምኳኑን’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG