ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛምቢያ -- ልዕሊ 30 ልምዳውያን ዓደንቲ ተደብዮም


ኣብ ባህልዊ ዕደና ነሓስ ዝነጥፉ ልዕሊ 30 ዜጋታት ዛምቢያ፡ ድሕሪ ዘጋጠመ ምህማም መሬት ተደብዮም ከም ዘለዉ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሎሚ ዓርቢ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ንኣባላት ፓርላማ “ልዕሊ 30 ዜጋታት ተቐቢሮምና ኣለዉ፡ ሃገር ኣብ ሓዘን’ያ ዘላ፡” ኢሉ። ተወሳኺ ዝርዝር ግን ኣይሃበን።

እቲ ሓደጋ ካብ ርእሰ-ከተማ ሉሳካ ኣስታት 400 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቺንጎላ ዝተባህለ ቦታ’ዩ ኣጋጢሙ። እቲ ዞባ ኣብ ዛምቢያ ብማዕድን ነሓስ ኣዝዩ ሃብታም ምዃኑ ይፍለጥ።

ዞባ ቺንጎላ፡ ካብ ዓለም ዝዓበየ ምዃኑ ዝፍለጥ ክፉት ዓበይቲ ጎዳጕዲ ማዕድን ከም ዘለዎ ይፍለጥ። ገሊኡ ካብቲ ጉድጓዳት ክሳብ 100 ሜትሮ ወይ ድማ 300 ጫማ ንውሽጢ ዝዓመቘ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG