ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውፅኢት ኣብ ዛምቢያ ዝተኻየደ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ተቐራርራቢ ክኸውን እዩ ተባሂሉ


መናእሰይ ኣድመፅቲ ብበዝሒ ከምዝወፁን ንተቓዋሚ ፓርቲ ከምዝድግፉን ተገሊፁ

ኣብ ዛምቢያ ይካየድ ኣብዘሎ ሃገራውን ፕሬዝዳንታውን ምርጫ ውፅኢቱ ዝተቐራረበ ከምዝኸውን ትፅቢት ይግበር።እቲ ውድድር ኣብ መንጎ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ሩፒያ ባንዳን ብማይክል ሳታ ዝምራሕ ቀንዲ ተቓዋሚ ፓትሪዮቲክ ፍሮንትን እዩ ዝካየድ ዘሎ።ገለ ናይ ዘይምርግጋእ ኣጋጣሚታትን ናይ ናውቲ ሽግራትን እንተነበሩ’ውን ብድምር እንትርአ እቲ ምሃብ ድምፂ ብፅቡቕ ተኻይዱ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ።

መብዛሒቲኦም ተዓዘብቲ ውፅኢት እቲ ምርጫ ተቐራራቢ ከምዝኸውንን ምስቲ ናይ ዝሓለፈ 2008 ኣ/ፈ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ እንትነፃፀር ድማ ቀንዲ ኣፈላላይ ናብ ሓደ ሚሊዮን ዝፅግዑ መንእሰያት ሓደስቲ ኣድመፅቲ ምህላዎም እዩ ይብሉ።

ፖል ዋንሳ ኣብ ዋና ከተማ ሉሳካ ዝነብር ኣብ ስራሕ ህንፃ ዝተዋፈረ ወዲ 44 ዓመት እዩ።ንሱ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ መናእሰይ ኣድመፅቲ ብበዝሒ ከምዝወፁን ንተቓዋሚ ፓርቲ ከምዝድግፉን ይዛረብ።

ንሱ ብምቕፃል መብዛሕቲኦም ሎሚ ዘድመፁ ኣብ 20ታት ዝርከቡ መናእሰይ እዮም ምስ በለ ብምስዓብ ‘’እዞም መናእሰይ ምንቅስቓስ ንበዝሃ ዴሞክራሲ ዝተብሃለ ፓርቲ ኣብ 1991 ስልጣን ክሕዝ እንተሎ ዝተወለዱ እዮም።ኣነ ከምዝርድአኒ እቲ ተቓዋሚ ፓርቲ እዞም መናእሰያት ክሪኡዎ ዝደልዩ ብዛዕባ ለውጢ እዩ ዝሰብኽ ዘሎ።’’ይብል።

መብዛሕቲኦም መናእሰይ ኣድመፅቲ ስራሕ የብሎምን።ዋንሳ ከምዝበሎ ናይቲ ቀንዲ ተቓዋሚ ፓርቲ ሕፁይ ዝኾኑ ማይክል ሳታ ነዚ መዝሚዘምዎ ኣለው።

እቲ ፓትሪዮቲክ ፍሮንት ብዝብል ሽም ዝፅዋዕ ተቓዋሚ ፓርቲ ንድኻታት ዝረብሑ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ከምዝወስድ እውን መፅብዓ ኣትዩ ኣሎ።60 ሚእታዊ ህዝቢ ዛምቢያ ኣብ ማዕልቲ ካብ ክልተ ዶላር ብዝወሓደ ኣታዊ ይናበር።

ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ፕሬዝዳንት ምስ ሞቱ ኣብ 2008 ኣ/ፈ ኣብዝተኻየደ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ሕዚ ኣብስልጣን ዘለው ሩፒያ ባንዳ ንመነሓንሕቶም ንማይክል ሳታ ብ35 ሽሕ ድምፂ ብልጫ ስዒሮምዎም።

ኣብ ዛምቢያ ምድማፅ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ማዕልታት ይወስድ።

XS
SM
MD
LG