ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ እዋን ኹናት ኢትዮጵያ-አርትራ ዝዓነወ ቤ/ትምህርቲ ዛላምበሳ ይስራሕ ኣሎ


ብሰንኪ ጎንፂ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘላምበሳ ዝዋሃብ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ንልዕሊ 10 ዓማውቲ ብምቁራፁ ተምሃሮ 10ይ ክፍሊ ምስ በፅሑ ናብ ፋፂን ዓዲ ግራትን ከይዶም ንኽማሃሩ ተገዲዶም እዮም፡፡

ብሰንኪ እዚ ድማ ወለዲ ንስንቅን ክራይ ገዛን ልዑል ገንዘባዊ ወፃኢ ብምግባሮም ምሒር ይፅገሙ ምንባሮም ይገልፁ፡፡

ተወለድትን ደገፍትን ዘላምበሳን ከባቢኣን ብፍላይ ካብ 2002 ዓ/ም ኣትሒዞም ብዘካየድዎ ጻዕሪ ዓሚ 11 ክፍሊ ሎምዘበን ኻዓ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ኣብቶም ዝነበሩ መምሀሪ ክፍልታት ተፀጋጊዖም ክማሃሩ ከምዝተገብረ ነቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ጉጅለ ምትሕብባር ልምዓት ዛላምበሳ ዝመርሑ ኣይተ ምሩፅ ደስታ ገሊፆም ኣለዉ፡፡ መንግስቲ ነዚ ብምፍቃዱ ድማ ኣመስጊኖም፡፡

ኣብ ዘላምበሳ፣መቐለ፣ኣዲስ ኣበባን ካብ ሃገር ወጻእን ዝተጣየሹ ጉጅለታት ልምዓት ንህንጸት እቲ ቤት ትምህርቲ ብዘዋህለልዎ ገንዘብ ሎምቕነ ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ብዕሊ ከምዝተጀመረ እውን ኣበሲሮም እዮም፡፡

ብተመሳሳሊ ፅምብል 50 ዓመት ቤት ትምህርቲ ዛላምበሳ ንምኽባር ምሽብሻብ ይግበር ምህላዉ ዝገለፁ ኣይተ ምሩፅ ተወለድትን ደገፍትን ዛላምበሳ ንዓመታ መስከረም 18 ኣብቲ ጽምበል ንኽርከቡ ብሽም ህዝቢ ዓዲሞም ኣለዉ፡፡

XS
SM
MD
LG