ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ መጠን ዝሓለፈ ቅትለት ዝተሓወሶ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ከምዘሻቐሎም ኮሚሽነር ዛይድ ገሊጾም


ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፍታት ትገብሮ ኣላ ዝበልዎ ካብ መጠን ዝሓለፈ ቅትለት ዝተሓወሶ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኣዝዩ ከምዘሻቅሀሎም ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ዛይድ ራኢድ ኣል ሑሴን ትማሊ ገሊጾም።
ብኻልእ ዜና እዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ክስታት ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ኣልቦ ክብሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ጽሕፈት ጀነቭ ቀዋሚ ተጸዋዒ ኣምባሳደር ነጋሽ ክብረት ሎሚ ምላሽ ሂቦም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ካብ ዘእተው ዓሰርተ ሓሙሽተ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ሓደ ሲቪክስ ብዝብል ዝፍለጥ ጥምረት ሎሚ ኣብቲ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘስምዕእ ቃል ንስግኣት እቶም ኮሚሽነር ከምዝድግፉ ተዛሪቦም ኣለው።
ተጸዋዒ ካናዳ ብወገኖም ሃገሮም ኢትዮጵያ ብምርጋጽ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝተሻቐላ ምዃና ተዛሪቦም ይብል ሰሎሞን ኣባተ ዘዳለዎ ጸብጻብ።

XS
SM
MD
LG