ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኢትዮጵያ ንደጋዊ ጸቕጢ ትምብርከኽ ሃገር ኣይኮነትን' ይብሉ ምኒስትር ዴኤታ ዛድግ ኣብራሃ


ኣቶ ዛድግ ኣብራሃ
ኣቶ ዛድግ ኣብራሃ

'ፖሊሲ ሚድያ ኢትዮጵያ ካብ ካልኦት ፖሊሲ ሚድያ ዲሞክራሲያዊያን ሃገራት ዝንእስ ስለዘይኮነ ምምሕያሽ ኣየድልዮን፣ ኣብ ትግባረኡ ግና ገለ ጉድለታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ' ይብሉ ኣቶ ዛድግ ኣብራሃ።

ብዛዕባ ኣብ ተቃውሞ ዝተሳተፈ መንእሰይ ዝተጋነነ ግምት ክነሕድር አይግባእን፣ ዝበዝሕ ስቅታ ዝመረጸ ሒደት ድምጺ ዘስመዐን'ዩ ይብሉ ንሶም።

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ እታ ሃገር ካብ ዝኣተወቶ ህዝባዊ ተቃውሞን ቅልውላውን ንምውጻእ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተጸሚድና ኣለና ይብሉ። እግረ መንገዶም’ውን መንቀሊ’ቶም ጸገማትን ዕንወታትን እዮም ኢሎም ንገለ ደጋዊን ውሽጣዊን ሓይልታት ይኸሱ።

ጋሻና ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ኮሚኒከሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ዛድግ ኣብራሃ ‘ምስ ግብጺ ዘሎ ምስሕሓብ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ይዕየየሉ ስለዘሎ ሪኢቶ ካብ ምሃብ ተቖጢበ ኣለኹ፣ ክብሉ ከለው ንመንግስቲ ኢርትራ ግና ይኸሱ’።

ንምዃኑ ኩነታት ጸጥታን ህድኣትን ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ? እቲ ጸገም ካብ ሱሩ ንምምሓው ዝተወስዱ ስዳሮታት እንታይ ይመስሉ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣልዒልና ምስ ኣቶ ዛድግ ኣብራሃ ተዘራሪባና ኣለና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:08 0:00
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:53 0:00

XS
SM
MD
LG