ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምልቃቕ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ ካብ ህውሓትን መልሲ ኣቶ ነጋ ኣሰፋን


ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህውሓት/ ዝነበሩ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ ካብ ኣባልነት ህውሓት ንምልቃቕ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፍሉይ ዞባ ኣዲስ ኣበባ ብዓል ሓሙሽተ ገፅ ደብዳበ ኣቕሪቦም።

ካብቲ ውድብ መልቀቒ ምኽንያቶም ክገልፁ ከለው መራሕቲ ህውሓት ብቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድን ምኽትሎም ኣቶ ደመቀ መኮነንን ንዝምራሕ ለውጢ ይቃወምዎ ከምዘለው ከም ሓደ ምኽንያት ገሊፆም። ‘’ዝመፃእኽሉ ማሕበረሰብ ናይ መንነት ሕቶ ብምልዓሉ ብማእሰርቲ፣ምንክልባትን መቕተልትን ይምለሰሉ ስለዘሎ ነዚ ተሰኪመ ንምቕፃል ሕልናይ ኣይፈቅድን’’ ክብሉ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ህውሓት ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ገጠር ኣቶ ነጋ ኣሰፋ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ግን ኣቶ ዛዲግ እዞም ሕቶታት ኣብ ዝኾነ ይኹን መድረኻት ኣልዒሎምዎም ኣይፈልጡን ኢሎም።

ኣቶ ዛዲግ ኣብ ዝሓለፈ መበል 13 ጉባኤ ህውሓት ንማእኸላይ ኮምቴ ተፀሪሖም ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ኣቶ ዛዲግ ዝለዓለ ናይ ስልጣን ድሌት ከምዘለዎም ካብ ጉባኤተኛታት ብዘጋጠሞም ተቓውሞ ከምዝተረፉ ብምሓብር ኣብ እዋን እቲ ምፅራሕ ግን ንሶም ኣብ ህውሓት እቲ ዝበሉዎም ፀገማት ወይ ኣፈላላያት ስለዘለኒ ክምረፅ ድልየት የብለይን ኢሎም ኣብ ክንዲ ምቅዋም ህውሓት ተካይዶም ንዘላ ለውጥታት ብምድጋፍ ክምረፁ ከምዝተኸራኸሩ ገሊፆም።

ህውሓት ናይ ለውጢ ዕንቅፋት እዩ ንዝብል እውን ቅድሚ ኩሉ ለውጢ ከምዘድሊ ዝገምገመን ክሳብ ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ዘምፅአን ህውሓት እዩ ኢሎም ኣቶ ነጋ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:15:11 0:00

XS
SM
MD
LG