ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ክእለት ዝውንን መንእሰይ


መንእሰይ ድራር ኣቦሆይ
መንእሰይ ድራር ኣቦሆይ

ድራር ኣቦሆይ ወዲ 32 ዓመት መንእሰይ እዩ፡፡ ድራር ኣብ ጊዜ ቁልዕነቱ ዝርኣዮም ፍልምታት ወጻኢ ተፅዕኖ የሕዲሮምሉ ዘጥረዮም ፍሉያት ክእለታት ኣለዉዎ፡፡ እዚ ኣብ መጓሰ ጎና ጎኒ ብሓያል ፃዕሪ ዝጀመሮ ልምምድ ሎሚ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ኣብፂሕዎ ኣሎ፡፡

መንእሰይ ድራር ኣቦሆይ ኣብ ከባቢ ሽረ ኣብ ዝተወለደሉ ዓዲ ኮይኑ ብኒሕን ብሓቦን ተስፋ ብዘይምቁራፅ ዝጀመሮም ስራሕቲ ሕዚ ናብ መድረኽ ውድድር ዝእልሸሉ ብርኪ በፂሑ ኣሎ፡፡ ብቀሊሉ ክትኣምኖም ዘፀግሙ ዳርጋ ኩሎም ፍሉያት ክእለታቱ ብኢዱ እናኸደ ዝዓሞም እዮም፡፡

ብኢዱ ኣዝዩ ነዊሕ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ምዃዱ ደረጃታት ክወፅእ ክወርድ ክትርኦ ኣዝዩ ዘገርም እዩ፡፡ ድራር ኣቦሆይ ዓለምለኻዊ መድረኽ ከምዝደልን ዝገብሮ ፃዕሪ ክእለታቱ ኣብ ናይ ዓለም ናይ መዝገብ ክብረወሰን ክምዝገብ ድቃስ ዘይብሉ ምዃኑ ይዛረብ፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፍሉይ ክእለት ዝውንን መንእሰይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:30 0:00

XS
SM
MD
LG