ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

7 መንእሰያት ተመረቕቲ ማሪን ኮለጅ፡ ፍሪጅን ኣየር ኮንዲሽነርን ብምስራሕ ኣብ ጠቕሚ ኣውዒሎም


መሃንድስ ልዋም ደባስ፡ ሳሚኤል ተ/ጋብር፡ ኣቢሶሎም ተኽላይ፡ ሮቤል ሰሎሙን፡ ኣማኒኤል ኣለም፥ ሳሚኤል ሰመረን ፊልሞን በረኸትን ይብሃሉ። ሎሚ ዓመት ካብ ኮሌጅ ምህንድስና ባሕሪ ምጽዋዕ ብዓውዲ ምህንድስና ባሕሪ ብዲግሪ ዝተመረቑ እዮም።

እዞም መንእሰያት ብሓባር ኮይኖም ናይ 250: 400 ፡ 500፡ 800 ሊትር ናይ ምዝሓል ዓቕሚ ዘለወን ፍርጃትን መዝሓሊ ኣየርን ሰኒዖም ኣብ ጥቕሚ ከውዕሉ ኪኢሎም እዮም።

ብልጫ ናይተን ፍረጃት ኪገልጹ ከለው 80% ትሕዝቶ ናይተን ፍርጃት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝርከቡ ጥረ ነገራት ክሰርሓ ምኽኣለን ምዃኑ ይገልጹ። 30% ጽዓት ክቑጥባ ዝኽእላ ምዃነን ከኣ ዝያዳ ተመረጽቲ ከምዝገብረን እቶም መንእሰያት ይገልጹ።

"ነተን ናይ ወጻኢ፡ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ዝፈረያ ፍርጃትን ኣየር ኮንድሽነራትን ምትካእ'ዩ"

እዘን ፍርጃት ኣብ ኮሌጃት፡ ሆቴላት፡ ናይ ዕደናን ህንጻን ቦታት፡ መደበራት ጥዕና ወዘተ ኣብ ጥቕሚ ክውዕላ ይኽእላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽአል።

XS
SM
MD
LG