ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓይኑ እምበር ልቡ ዘይዓወረ መንእሰይ


ሃፍቶም ካሕሳይ ኣብ ዋጅራት ዕስራ ዓዲ ዝበቖለ መንእሰይ እዩ። ገና ወዲ ዓሰርተ ሓደ ዓመት እናሃለወ ምስ ማሓዙቱ ኣብ ቃላይ ጨብረቕ እንትብሉ ሃንደበት ዓይኑ ይሓምም። የመና ዝደንገፁ ወለዱ ናብ ባህላዊ ሕክምና ወሰድዎ። ኣይተመሰለሎምን ሃፍቶም ብርሃን ዓይኑ ሳኣነ። ወለዱ እውን ብሰንክኡ ምስምማዕ ይስእኑ። ኣብ መወዳእታ ይፋትሑ።

ገደል እኳ እንተሃለወ መደያይቦ ኣይሳኣንን እሞ ሃፍቶም ናፃ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ ናብ መ ቐለ ይመፅእ። ክሳብ 8ይ ክፍሊ ይመሃር። ብድሕሪኡ ኣብቲ ማእኸል መፅለሊ ዝነበሩ ተምሃሮ ንወርሒ 120 ቕርሺ እናተኸፈሎም ካብቲ ማእኸል ወፅዮም ዓርሶም ክኽእሉ ይንገሮም።

ሃፍቶም ኣይሓርበቶን ሶፍትን ከረሜላን ዝኣመሰሉ ኣናእሽተይ ነገራት ምሻጥ ጀመረ። ብኸምዝን ወድኸምዝን ናብርኡ ከመሓይሽ ሃርኮትኮት እንትብል ኣያ ዝኾኖ ኣይሰኣነን። ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ምውህላልን 5000 ቕርሺ ተለቂሑ ምስራሕ ቀፀለ።

እናጎልበተ ምስ ከደ ደደቢት ብዘይ ትሕጃ 40,000 ቕርሺ ኣለቂሖምዎ ዕብይ ዝበሉ ስራሕቲ ናብ ምስራሕ ተሰጋገረ።

“ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሞባይል ካርዲ ይሸይጥ። ስልኪ የደውል። ከምኡ እናበልኩ ማእኽል ኢንተርኔት ከፈትኩ። ፎቶ ኮፒ ማሽን ዓደግኩ። ላውንደሪ ማሽን እውን ገዚአ ስራሕ ቀፀልኩ። 13 መንኣሰይ ኣሕዋተይ እውን ቆፂረ ዕድል ስራሕ ክረኽቡ ኣኽኢለ’’ ይብል ሃፍቶም።

ሃፍቶም እዚ ኹሉ እንትገብር ኣስኳላ ኣየቃረፀን። እኳ ዳኣስ ብፅቡቕ ውጽኢት ቀፀለ። ኣብ 8ይ ክፍሊ 99.9 ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ድማ ምሉእ 4 ውጽኢት ኣመዝጊቡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣተወ። ኣብ ዝሐዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብደረጃ ድግሪ ሕጊ የፅንዕ ኣሎ።

ሃፍቶም ስራሕቱ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ብምስግጋር ኣብ ከተማ መቐለ መወሃሃዲ ድምፂ ስትድዮ ከፊቱ ኣሎ።

ሃፍቶም “ቀንዲ ዕላማ እቲ ስትድዮ ንምርኣይን ምስማዕን ዝተስኣኖም ሰባት ዝሕግዝ መፃሓፍቲ ንምስንዳእ እዩ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ዘለዉ መምሀሪ መፃሕፍቲ ናብ መፅሃፈ ድምፅን ምስልን ንምቕያር እዩ’’ ኢሉ ኣሎ።

ሃፍቶም ኣብ ዝሐዚ እዋን ካብ ባዕሉ ሓሊፉ ንወገናቱ ናብ ምሕጋዝ ተሰጋጊሩ ኣሎ። እቲ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ድማ ኣብ ገዛ ስድራ እናዳ ሃፍቶም ፍቕርን ሰላምን ዳግማይ ተወሊዱ ኣሎ። ን13 ዓማውቲ ብሰንክኡ ተፋቲሖም ተፈላልዮም ዝፀንሑ ወለዱ ባዕሉ ኣታዓሪቕዎም ብሓደ ይነብሩ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG