ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሰርጌን" ሓዳስ መጽሄት ዘጣየሹ መናእሰይ መቐለ


ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ 12 መንእሰያት ዘጣየሽዋ "ሰርጌን" ዝተሰመየት መጽሄት ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ብዕሊ ተመሪቓ ንንባብ በቒዓ'ላ።

ዝበዝሑ እቶም መስረቲ መንእሰያት ቅድሚ ሎሚ "ሰራዊት ፊደል" ብዝብል ተወዲቦም ኣብ ባህሊ ንባብን ዕብየት ስነ ጽሑፍን ዝዋስኡ ዝነበሩ እዮም።

ካብ መንጐ መስረቲ መጽሄት "ሰርጌን" ድምጺ ኣሜሪካ ንዋና ኣሰናዳኢ እታ መጽሄት ንደስታ ገብረመድህን፣ ከምኡ እውን ንጋዜጠኛታት ሃይለኣብ ሃይለስላሰን ማቲዎስ ገብረህይወትን ኣዘራሪቡ’ሎ።

ንመጽሄት "ሰርጌን" ካብ ዘጣየሹ መንእሰያት
ንመጽሄት "ሰርጌን" ካብ ዘጣየሹ መንእሰያት

ዋና ኣሰናዳኢ "ሰርጌን" ደስታ ገብረመድህን "ኣብ ትግራይ ዝጓነዩ ሓሳባት ኣለዉ፤ ኣብቲ ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘለዉ መራኸቢ ሓፋሽ ዘይተኣናገዱን ኣብኡ ክግለፁ ዘይድለዩ ሓሳባት ኣለዉ፤ እዞም ሓሳባት እዚኦም ዝተኣናገድሉ መድረኽ ንምፍጣር ዓሊምና ኢና ነታ መጽሄት ጀሚርናያ" ይብል።

ማቲዎስ ገብረህይወት ብወገኑ ኣብ ትግራይ ሕገ መንግስትን ሕጊ ፕረስን ምህላዉ ውልቀ ፕረስ ንኽህልው ከም ጸጋ ዝውሰድ ኰይኑ ፀቢብ ፖለቲካዊ ባይታን ሓበሬታ ናይ ዘይምሃብ ፀገምን ድማ ከም ዕንቅፋት ዝቑፀሩ እዮም ኢሉ።

ሃይለኣብ ሃይለስላሰ "ሰርጌን" ናይ ኩሉ መድረኽ ክትከውን ዓሊምና ስለዘጣየሽናያ ኩሉ ብዘለዎ ዓቕሚ ብፍላይ ብኽእለቱን ብገንዘባዊ ሓገዝን ኣብ ጐኒ ምስንዳእ "ሰርጌን" ክኸውን ፀዊዑ።

ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ተወላዶ ሕብረተሰብ ትግራይ ኣብታ መጽሄት ንምስታፍ ዘኽእል መርበብ ሓበሬታ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝግበር እውን ገሊፆም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

"ሰርጌን" ሓዳስ መጽሄት ዘጣየሹ መንእሰይ መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:59 0:00

XS
SM
MD
LG