ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስእነት ስራሕ ንምቅላልን መሃዝቲ መንእሰያት ንምትብባዕን ዝተመስረት ትካል ዶት ኢትዮጵያ


ዶት ኢትዮጵያ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ መናእሰይ ዘለዎም ስእነት ሰራሕ ንምቅላል መሃዘቲ ኮይኖም ክርከቡ ዝሕግዝ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ፡፡ ብመሰረት ዝሰነቆ ዕላማ ብዝተፈላዩ መራኸቢ ማዕኸናት ብምዕዳም መናእሰይ ንሕብረተሰብ ዝረብሕን ድኽነት ዝቐርፍን ምህዞ ብምምሃዝ ንባዕሎምን ንሕብረተሰቦም ንምጥቃም ክወዳደሩ ገይሩ፡፡ አቲ ውድድር ምህዞ ቀዳም 24 ለካቲት 2010 ዓ.ም ተዛዚሙ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ውድድር ሸሞንተ ተናሓነሕቲ መናእሰይ ተረኺቡም ውጽኢት ምህዝኦም ኣቅሪቦም፡፡

መተሓባበሪ ዶት ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ርእሶም ተስፋማርያም ትካሎም ዕማማቱን እንትገልፁ፡ ዶት ኢትዮጵያ ዲጂታል ኦፕረቲንቲ ትረስት ዝብል ኮይኑ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይ ብፍሉይ ይነጥፍ፡፡ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ማሕበራዊ ፀገም ንምቅላል ምስ ዕዳጋ ብምርኻብ ናብርአን ዘማሓይሻሉ ዕድል ንምፍጣር ኣብ መፅናዕቲ ዝተደረኸ ስልጠና ይህብ፡፡ መናእሰይ መሃዝቲ ኮይኖም ንባዕሎምን ንሕብረተሰቦን ክጠቅሙ የለዓዕል ይሕግዝ፡፡ ዘይጀመረ ክለዓዓል ዝተለዓዓለ ክብገስ ዝተበገሰ ድማ ከስፍሕ ዓሊሞም ይሰርሑ ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ፊልሞን ካሕሳይ
ፊልሞን ካሕሳይ

ካልኣይን ሳልሳይ ዝወፅኡ ተወዳደርቲ መሃዝቲ መናእሰይ ድማ ከምዚ ይብሉ፡፡ ተማሃራይ ፊልሞን ካሕሳይ ኣብቲ ውድድር ምህዞ ካልኣይ ዝወፅአ ተማሃራይ እዩ፡፡ ንሱ ብዛዕባ ምህዝኡ እንትዛረብ ኣነ ኣብዚ ውድድር ሰሪሐ ኣቅሪበዮ ዘለኩ ምህዞ Compressed and packed Organic fertilizer እዚ ድማ ዝተዓሸገ ተሠቂጡ ኣብ ስሊንደር ውሽጢ ዝተዓሸገ ካብ ቫይሎጅካሊ ዝርከብ ሜታሎን ጋዝ ንበሎ ደሪቁ ዝተዓሸገ መዳበረያ እዩ ክብል ይሕብር፡፡

ሳልሳይ ኮይኖም ዝተዓወቱ ብጉጅለ ስራሓት ምህዞ ዘቅረቡ እዮም፡፡ እዞም መናእሰይ ዲጂታል ላይብረሪ ወይ ቤት ንባብ ግልጋሎት ዝውዕል ሶፍት ዌር ዝሰርሑ እዮም፡፡ ንሶም ብሓባር ኣብ ሃገርና ዘሎ ፀገም ፅበት ላይብረርን መፃሕፍትን መንቀሊ ብምግባር ብቀሊሉ ንምጥቃም ዘኽእል ዋላ ኣብ ሞባይል ንምጥቃል እንኽእለሉ ድጂታል ላይበሪ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብዘይህልወሉ ብቀሊሉ ንምጥቃም ዘኽእል መድለይ ኣብ ምድላው ዝባኽን ጊዜ ዘቃልልን ምህዞ እዩ ይበሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG